ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ፡ ከተማ ቮልዳ፥ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ብወግዒ ኣትዩ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ፡ ኣብ ከተማ ቮልዳ እትርከብ ማሕበረ ምእመናን ቅዱስ ሚካኤል ፡ ብዕለት ፲፫ ሚያዝያ ፳፻ ወ ፲ ( 21 ሚያዝያ 2018 )ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኢል ታቦት ብወግዒ ኣትዩ። ካብ ዋዜማ፡ከም ስርዓት ቤተክርስቲያን መሰረት ብኣርባዕቲኡ መኣዝናት ቡሩኬን ንዕኡ ዝምልከት ጸሎትን ስብሓታትን ድሕሪ ተፈጺሙ፡ ቀጺሉ ፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መደብ ኣቕሪቦም፡ ድሕሪዚ …

ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መርኣያ ናይቲ ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ኣብ ከተማ ለንደን ናብ ዝርከባ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ምብጻሕ ዑደት ኣካይዶም። ሰንበት ፪ ታኅሣሥ ናብታ ካብ እትምሥረት ልዕሊ ፴ ዓመታት ዝገበረት ደብረ ሳኅል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ዑደቶም ጀሚሮም። ነቲ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፍልልይ ብዕርቂ ሰላም ንምዝዛም ኣብ ቀጽሪ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ …

ብርሃን ይኹን በለ ብርሃን ድማ ኮነ

መስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን “እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ቅርጺ ዘይብላ ባዶ ነበረት። ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብማዕበል ዝናወጽ ማዓሙቕ ባሕሪ ሰፊኑ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕ ሊ፣ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ሽዑ እግዚአብሔር “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኮነ። እግዚአብ ሔር ፣ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። እግዚአብሔር …

ትምህርተ አበው/Patrology/

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ትምህርተ አበው ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዝነበርዎ እዋናዊ ኩነታትን ምስኡ ዝዛመዱ ሓሳባትን ዝገልጽ ክኸውን ከሎ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ብግቡእ ንምርዳእ ዘኽእል ዓሚቕ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት፥ ሕይወቶም ትምህርቶም` ሥርሖምን ዝነበሮም እዋናዊ ኩነታት ዝጽንዓሉ ናይ ነገረ መለኮት ሓደ ክፋል እዩ። እዞም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት …

ማኅሌተ ጽጌ

ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር። ምኽንያት፣ስደት ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ሃንደበት ዘይኮነስ ከምቲ ካልእ …

ምሥጢረ ሥላሴ

በስመ አብ ወወል ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። “መቕድመ ኩሉ ንስብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱስ ዘውእቶሙ አብ፣ወልድ፣መንፈስ ቅዱስ።” “እግዚአብሔር ኢልና ንኣምኖ ንሕና ዝፈለጥናዮን ዝበጻሕናዮን ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብባዕሉ ዝፍለጥን ንርእሱ ባዕሉ ጥራሕ ዝፈልጣ እዩ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ዘለና ኣፍልጦ ብመጠን ዓቕምና እምበር ብመምዘኒ ዓቀኑ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኢልና እንኣምኖ ስፍሓቱ ሰማይን ምድርን ክበጽሕዎ ዘይክእሉ፣ርቀቱ ናይ መላእኽቲን ደቂ ሰባትን ኣእምሮ …

ነገረ ሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሃይማኖት ምድራዊ ዘይኮነስ፣ ካብ ሰማይ ካብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበን ዝተሠርዐን እዩ። ሓደ እዋን ብዛዕባ ሥልጣኑ ክሓትዎ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ኣይሁድ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጽኡ። ንሱ ድማ፤ “ጥምቀት ዮሐንስሲ ካብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧” (ማር. ፲፩፥፴/11፥30) ኢሉ ንሕቶኦም ብሕቶ መለሰሎም። ንሳቶም ግና ካብ ሰማይ ምዃና …

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መእተዊ ኣብ ትምህርቲ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን “ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ናይ ክርስትና ሃይማኖት ማለት እዩ። ኣብቲ ሰዋስውኣዊ ትርጉሙ ምስ ንምልከት ከኣ፤ ብዘይቤ ይኹን ብምሥጢራዊ ኣገላልጻ ሠለስተ ትርጉም ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ትርጉም ንዝተወሰነ ቦታ የመልክት። እዚ ማለት ከኣ ናይ ኣመንቲ ክርስትና ቤት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቤተ ክርስቲያን …