ኣብ ሃገረ ጥልያን ዳግም ሥርርዕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተካይዱ

ኣብ ሃገረ ጥልያን ፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዘማእከሎ ብቐዳም ዕለት ፮ ጥሪ ፳፻፱ ዓ.ም (14 ጥሪ 2017 ዓ. ም) ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ። እዚ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ቦሎኛ ዝተገብረ ጉባኤ ንዳግመ ስርርዕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ኣብ ሃገረ ጥልያን ዝርከባ ዝበዝሓ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ማኅበረ ምእመናን …

ሓዋርያዊ ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ዕዉት ናይ ስራሕ ብምጻሕ ተመሊሶም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ሓዋርያዊ ዑደቱ ዛዚሙ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኤርትራ ንክምለስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ለንደን ካብ ሠለስቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከባ ብዝተወከሉ ናይ ምፍናው መደብ ተጌሩሉ። ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዝጸንሓሉ …

ዕዉት ምጅማር ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ

ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝምራሕ ሎሚ ኣብ ከተማ ለንደን ቀጽሪ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ 150 ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ዝጥርንፍ ኣኼባ ተጌሩ ውዒሉ። ናይዚ ጉባኤ ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ ዝነበረ ፍልልይ ብዕርቂ ሰላም ተዛዚሙ ብኅብረት ኮይኖም ምእንቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግልሉ መድረኽ ንምፍጣር ዝዓለመ ስለ ዝነበረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ …

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም

በስመ ኣብ ወወልደ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ! ብቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተላእኩ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ምስ ዲያቆን ግርማይ ነቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ካናዳን ዝነበሮም ዑደት ብሰላም ዛዚሞም፣ዕለት ፳፰ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም፡ ከባቢ ሰዓት ትሸዓተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ለንደን (London He  athrow) ብሰላም ኣትዮም። እታ ንብዙሕ ግዜ ብብዙሕ መገዲ ክትእቶ …

ኅዳር ጽዮን ኣብ ከተማ ዞሊንገን ተኸቢሩ ውዒሉ

  ማኅበር ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም — ጀርመን መበል6ይ ዓመታዊ በዓል ካብ ዕ ለት 3—4 ታሕሳስ 2016 ቀዳምን ሰንበትን ( ፳፬—፳፭ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም) ኣብ ከተማ ዞሊንገን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ” ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘዉር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ: ንቅሑ ።”ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኸብረ በዓል: ብብዝሒ መንእሰያት …

ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ጉባኤ ተኻይዱ

ብዕለት ፲፫ ጥቅምቲ ፳፻፱ ዓ.ም. (23-10-2016 ዓ.ም) ዓመታዊ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ እትርከብ ኣብ ማኅበር መድኃኔ ዓለም ተኻይዱ። ነዚ ኣኼባውን ሕግዊነት ክህልዎን ብቃል ኣዋዲ ሰንሰለታዊ ሥርዓቱ ሒዙ ኽኸይድን ጉባኤ ንክመርሕዎ ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ተረኺቦም ኔሮም። ኣብዚ ኣኼባ እዋናውያን ዝኾኑ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን መግለጺን መረዳእታን …

ኣብ ሃገረ ፊንላንድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተኻይዱ

ብዕለት ፲፬ መስከረም ፳፻፱ ዓ.ም (24.9.2016 ዓ.ም) ዓመታዊ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ኣብ ሃገረ ፊንላንድ ኣብ ሄልሲንኪ ከተማ ተኻይዱ። ነዚ ኣኼባውን ሕግዊነት ክህልዎን ብቃል ኣዋዲ ሰንሰለታዊ ሥርዓቱ ሒዙ ኽኸይድን ጉባኤ ክመርሕዎን ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከምኡውን ቀሺ ዮሴፍ መርሃጽዮን ጸሓፊ ሃገረ …

ኣብ ከተማ ቢል ቤን ታቦት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣትዩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ቢል ቤን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል (ህንጸተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን) ብዕለት ፳፫/፳፬ ሰነ ፳፻፰ ዓ.ም ወይ 2ን 3ን ሓምለ 2016 ብኽብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ። እዚ ካብ ዝሓለፈ ግዝያት ፍልይ ብዝበለ ኣገባብን ኩነታትን ዝተባዕለ ክቡር በዓል ንምብዓል ካብ ድሮ ቀዳም ጀሚሮም …