ኣብ ከተማ ኒውሻትል ስዊዘርላንድ ታቦት ኣቡነ ገብረመንፈስቅዱስ ኣትዩ።

  ብዕለት ፪ ሰነ ፳፻ ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(09 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ኣብ ከተማ ኒውሻትል እትርከብ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያን ሓድሽ ታቦት ኣትዩላ። ብመርሒነት ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ግቡእ ናይ ስርዓተ ምእታው ታቦት ድሕሪ ምፍጻሙ:ሊቃውንት ነዚ ናይ መመረቕታ ዕለት ብዝምልከት ማህሌት ኣብጺሖም፡ድሕርዚ ድማ ቅዳሴ ድሕሪ ምክያዱ ማዕዳን ኣስተምህሮን ድሕሪ ምሃብ ፡ናይቲ ዕለት መደብ ተፈጺሙ። …

ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ነቶም ናብ ገዳም ደብረ ሲና ፡እናኸዱ ከለዉ ብምኽንያት ሓደጋ ናይ ኣውቶቡስ ፡ዝዓረፉ ወገናትና፡ ጸሎተ ፍትሓት ፈጺመን። ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ኒውሻትል፡ እትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያን፡ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ፡ ከምኡ ውን ካልኦት ኣባላት ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን ንኡስ ሃገረ ስብከትን ዝተረኽብዎ …

መልእኽቲ ጸሎተ ፍትሓት

ንዓመታዊ ክብረ በዓል ንምስታፍን፡ በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምርካብ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ዝጓዓዙ ዝነበሩ ናይ ኣውቶቡስ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞሙን፡ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ድማ ከም ዝዓረፉ ብእዋኑ ብወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ቤ/ጽ/መንበረ ፓትርያርክ ተሓቢሩን ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ውን ተመሓላሊፉን እዩ። በዚ ምኽንያት ንዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሎተ ፍትሓት ክግበር ፡ በዚ …

ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫን ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይን ምምራቕ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሼን ኖርዎይ

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ብዕለት 26 -05-2018 ሓፈሻዊ ጉባኤን ሓድሽ ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ቅድስት ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኦስሎ ተኻይዱ። ኣብቲ ብኣላይነት ሃገረ ስብከት ዝተመርሐ ኣኼባ ብመጀመርታ ብኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሓፈሻዊ ጸብጻብ፡ ቀሪቡ።ቀጺሉ ተሳተፍቲ ዘለዎም ሕቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም። ጉቡእ መልሲ ድሕሪ ምውሃቡ፡ ብቐጥታ ናብ ምርጫ ተኣትዩ፡ ተሳተፍቲ ንዝቕጽል 3 ዓመታት ዘማሓድርዎም …

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ሽወደንን ነዘርላንድስ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተኻይዱ

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ከምኡ ውን ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ነዘርላንድስ ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከትን ተኻይዱ። ኣብ ክልቲኡ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ብተመሳሳሊ መጀምርታ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጸብጻብ ናይ ስርሖም ኣቕሪቦም። ጉባኤኛታት ድማ ዝነበሮም ሕቶታትን፡ርእይቶታን እፍሲሶም። ካብኡ ብምቕጻል ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዘገልገሉ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዕድመ ናይ ኣገልግሎቶም ስለ ዝኣኸለ፡ ብመሪሕነት ሃገረ …

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ኣብ ከተማ ማግደቡርግ ሓድሽ ታቦት መድኃኔ ዓለም ኣትዩ

ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ፡ ምእመናን ኣብ ዘለውዎ ቦታ ብጉቡእ ንኽግልገሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ዝህቦ ዘሎ ታቦታት፡ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ፡ ውን ኣብ ከተማ ማግደቡርግ እትርከብ ማሕበረ ምእምናን መድኃኔ ዓለም ታቦት የእትዩ።   ኣብቲ ብዕለት ፲፯-፲፰ ጥቅምት ፳፻ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(27-28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ፈረ ዝተፈጸመ ስርዓት ምእታው ታቦት ፡ ካብ …

እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና ድማ ተሓጎስና

ሰንበት 9 ሓምሌ 2009 ዓ.ም. (16/7/2017 ዓ.ም.ፈ) ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳሳት፣ ኣበምኔት ገዳማትን መነኮሳትን፡ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን፡ ውሉደ ክህነትን ዲያቆናትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም (ኣሥመራ) ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ንነዊኅ ጊዜ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ናይ ዕርቀ ሠላም መገዲ ብሩኅ ተስፋ ኣርእዩናስ እነሆ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዓጂቡ ተጀሚሩ። ነዚ ናይ …

ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ብሮቢ ኣትዩ

ኣብ ሃገረ ሽወንድ ኣብ ከተማ ብሮቢ ብማኅበር ተጠርኒፎም ክግልገሉ ንዝጸንሑ ምእመናን ብዕለት 12/02/2017 ዓ.ም. ፭ የካቲት ፳፻ወ፱ ዓ.ም ታቦት ናይ ቅዱስ ገብርኤል ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓት ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን ኣቦ መንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ዝተረክቡሉ ኣትዩ ። እዞም ልዕሊ 200 ዝኾኑ መእመን ዝተጠረነፈት ማኅበር ብመምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስን ብሕጊን ሥርዓትን …

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ምስ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ርክብ ኣካይዱ

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዝርጋሐ ዘለዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ከም ዝህሉ ንምግባር ኣብዕቱዑ ክሰርሓሉ ካብ ዝጅምር ድሮ ዓሠርተ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ። ዝርጋሐ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ 60 ኣብያተ ክርስቲያን ልዕሊ 90 ድማ ማኅበራት ዝሓዘ ክኸውን ከሎ ነዚ ሰፊሕ ዝኾነ ዝርጋሐ ሓባራውን ሓድነታውን …