ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሆላንድ ኣገልግሎቱ ይፍጽም

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ፡ ኣገልግሎቱ ይፍጽም። ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ዕለት 04-10-2018 ዓ.ም.ፈረ ናብ ሆላንድ ከም ዝኣተዉ ይዝከር። ድሕርዚ ናብ ኣብ ሮተርዳም እትርከብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ብምምራሕ ኣብ ዕለት 06-10-2018 ሃገረ ስብከትን ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከትን ኣብ ዝተረኽብሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ናይቲ ቤተክርስቲያን ዝርርብ ተገይሩ ፡ ድሕሪዚ ንጽባሒቱ፡ ሓድሽ ምርጫ …

ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንምፍጻም ናብ ሃገረ ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።

ትማሊ ዕለት 04/10/2018 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 8፥00 ናይ ምሸት ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ኣምስተርዳም ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ፡ብርክት ዘበሉ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናን፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ብድሙቕ ዝኾነ ኣቀባብላ ተቐቢሎሞም። እቶም ልኡኽ ፡ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጻሓፊ ቅዱስ ስሲኖዶስ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ፡ ኣባ መልከጼዴቅ ኣበምኔት ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ኣበምኔትን ኣባል …

ምእታው ታቦት ማርያም ጽዮን ኣብ ከተማ  ዞሊንገንን ናይ ኣቡነ ተከለሓይማኖት ኣብ ከተማ ሄፐን ሃይም ጀርመን ብሰላም ተፈጺሙ።

ብዕለት ፩፮ ሰነ ፳፲ ዓ.ም ግዕዝ(17 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ኣብ ከተማ ዞሊንገን እትርከብ ኣብ ትሕቲ   ን/ሃ/ስ ጀርመንን ሃገረ ስብከትን ኤውሮጳን ከም‘ውን ብመሪሕነት ቃለ ዓዋድን ቅዱስ ሲኖዶስን ተማእዚዛ ትኸይድ፣ናይ ማርያም ጽዮን ቤተክርስቲያን ሓድሽ ታቦት ኣትዩላ። እቲ ናይ ሓድሽ ታቦት ምእታው ስነ-ስርዓት ብመርሒነት ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን ቀሺ ዘርኦምን ድሕሪ ምፍጻሙ፣ብሊቃውንቲ ኣቦታት ነቲ ዓብይ በዓል ዝምልከት …

ኣብ ን/ሃ/ስ ነዘርላንድስ ምምሕዳራዊ ስልጠና ተኻይዱ፡

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!! ብምቅጻል ቀዳም 30 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ንሰበኻ ጉባኤ፥ውሉደ ክህነት፥ጠርነፍቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ኣብያተ ክርስትያናትን ዘሳተፈ “ኩሉ ብስርዓትን ኣገባብን ይኹን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ምምሕዳራዊ ስልጠና ተኻይዱ። ኣብቲ ዕለት ሰንሰለታዊ ምምሕዳራዊ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ከመይ እዩ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፡ሊቀ ካህናት …

ኣብ ከተማ ጊሴን ታቦት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ኣትዩ።

ኣብ ዞባ ሄሰን ከተማ ጊሴን ተጠርኒፎም፣ ብጸሎትን ትምህርትን  እናተዋህቡ፣ ንነዊሕ እዋን ክጽበዩ ዝጸንሑ ማሕበረ ምእመናን ብዕለት ፩፭ን ፩፮ን ፡ሰነ ፥፳፲ ዓ.ም ግዕዝ ሓድሽ ታቦት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ኣእትዮም። እቲ ናይ ታቦት ምእታው ሥነ ሥርዓት ብ ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣቦ ሃብተወልድን ምክትል ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ን ኣቦ ወንበር ን/ሃ/ስ ጀርመንን …

ምቁራጽ መርበብ ሓበሬታ

ኣብ ዝሓለፈ ከባቢ ክልተ ወርሒ ፡ ብምኽንያት ተክኒካዊ ጉዳይ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ኣቋሪጻ ጸኒሓ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ እዋኑ ክመሓላለፍ ዝግብኦ ሓበሬታ ብዘይምሕላፉ ይቕሬታ ንሓትት። ቅድሚ ሕጂ ኣዳራሻ ናይ መርበብ ሓበሬታና www.eritewahdo. org ምንባሩ ይፍለጥ ፡እንተ ኾነ ብተክኒኒካዊ ምኽንያት ከም ዘይንጥቀመላን፡ኣብ ክንድኣ ግና www.eritewahdo.com ኮይና ከም ዘላ ንሕብር። እግዚአብሔር ሠላሙ የብዝሓልና     …

ብምኽንያት መዓልቲ፡ሰማእታት ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

    ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ።ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ መዓልቲ ሰማእታት ዓመት መጸ ኣብ ዕለት ፲፫ ሰነ (20 ሰነ ዓ.ም.ፈረ.) ዝግበር እዩ ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንነቶም ምእንቲ ህዝቦም ክብሉ ሕይወቶም ዝሕለፉ ሰማእታት ፡እግዚአብሔር መንግስቱ ክውርሶም ወትሩ ብጸሎት እናዘከረቶም፡ትነብር።ብፍላይ ድማ በዛ ክብርቲ ዕለት ጸሎተ ፍትሓት ይበጽሕ። ብደረጃ ሃገረ ስብከትና ውን ካብዚ ብዘይፍለ  ተኸቢሩ ውዒሉ። …

ሃገረ ስብከት ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ኣካይዱ

  ሃገረ ስብከት ብዕለት ፱-፲ ሰነ ፳፻ ፲ ዓ.ም.ግዕ. (16-17 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈረ.) ናብ ኣብ ደቡብ ኣየርላንድ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ፈጺሙ። ኣብዚ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኮርክ ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞንን ፡ሊቀ ኣእላፍ ቀሺ ፍሰሃየ ቀሺ ገብረማርያም ብተወሳኺ ውን ነዞም ምእመናን ከም ካህን ንኸገልግልዎምን ክመርሕዎምን ዝተመደቡ  ቐሺ ተስፋልደት ምናሴ  ቀዳም …

ሳልሳይ  መንፈሳዊ ዋዕላ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኔዘርላንድ: እንሆ ሎሚውን ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ   ኣጽራረ ሃይማኖት* ዘተኮረ “ካብዚ ቄናን ወለዶ ደሓኑ”(ግብ:2:40) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል(ቴማ) ኣካይደን። ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ምስ እንምልከት:- 1, ዕላማ ኣጽራረ ሃይማኖት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ 2,ዝሕብኡሉ መሽጎራጉራት ኣበይን ብኸመይን 3,ዝነበረን ዘሎን ህልው ኩነታት ኣጽራረ ሃይማኖት …

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላድ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላድ፡ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ናይ 17 ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ማሕበረ ምእመናን፡ዝተረኽብዎ፡ ብዕለት ፫ ሰነ ፳፻ ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(10 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኒውሻትል ተኻይዱ። ኣብቲ ብመርሒነት ሃገረ ስብከት ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ጸብጻቦም፡ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ኣቕሪቦሞ። ብመጀመርታ ንምምሕዳራዊ ጸብጻብ ብዝምልከት ዋና ጸሓፊ ንኡስ …