ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት በልጂዩም በጺሖም።።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት በልጂዩም፡ ብምባጽሕ፡ንሕዝቢ ባሪኾም። ኣብቲ ብሰንበት ብዕለት ፩ ሕዳር ፳፻፲፩ ዓ.ም.ግዕዝ (11-11-2018 ዓ.ም.ፈረ ) ፡ ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣንትቨርፐን፡ ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ካብ መላእ በልጂዩም ዝመጹ ካህናት፡ዲያቆናት፡ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን፡ ምእመናን፡ ምእመናትን፡ ተረኺቦም፡ናይዚ ዕለት በረኸት ተሳቲፎም። ሊቃውንት ናይ ጽጌ ማህሌት ድሕሪ ምቛም፡ብኣቦታት ዝተመርሐ ቅዳሴ በጺሑ፡ድሕሪዚ፡ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ቃለ …

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ምስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ፡ዝርከቡ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ፖሊካርፐስ ተራኺቦም።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ምስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ፡ዝርከቡ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ፖሊካርፐስ ተራኺቦም። ኣብቲ ብዕለት 10/11/2018 ኣብ ግላነ ዝብሃል ስፍራ ተዶኪኑ ዝርከብ፡ ገዳም ዝተገብረ ርክብ፡ ኣብ ሞንጉ እዘን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ንዘሎ ህልው ርክብን ዝምድናን ብምዝታይ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዝምድና ኣብ መጻኢ ብዝልዓለ ደረጃ ክምዕብል ፡ ሠናይ ድሌት ከም ዘሎ ብኽልቲኡ ወገን ተገሊጹ። …

ሃገረ ስብከት ምስ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣኼባ ኣካይዱ

ሃገረ ስብከት ምስ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ብዕለት ፳፫ ጥቅምቲ ፳፻፲፩ ዓ.ም. ግዕዝ(02- ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈረ.)  ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ፡ኣኼባ፡ ሃገረ ስብከት ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣገልግሎቱ ዝሰላሰሎም ስራሓትን ዘለውዎ ጸገማትን፡ ሕጽረታትን ብወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ከምኡ ውን ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት ሓፈሻዊ መብርሂ ድሕሪ ምውሃቡ፡ ካልኦት ኣባላት ሃገረ ስብከት በቲ ዘለዎም ጽፍሒ ስራሕን ፡ …

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ካብ ኩለን ንኡስ ሃገረ ስብከታት ብዝመጹ ኣመሓደርቲ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ወከልቲ ሰበኻ ጉባኤታት ትምህርቲ ሰንበት ዝጠርነፈ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብሰላም ኣቃኒዑ። ኣብቲ ኣብ ዕለታት ፳፬ን ፳፭ን ጥቅምቲ ፳፻፲፩ ዓ.ም. ግዕዝ(03-04 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈረ.) ዝተቓንዓ ጉባኤ፡ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብምርካቦም፡ ዓቢ ድምቀትን ክብርን ሂብዎ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይዚ ጉባኤ መጀመረታ ብብጹዓን ኣቦታት ዝተመርሐ ጸሎት …

ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሽወደን

ሮቡዕ ብዕለት 24 ጥቅምቲ 2018  ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ንህዝቦም ንምግሳይን ደሃይ ምግባርን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሰዓት 1፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣትዮም ። ኣብቲ ናይ ምቅባል ስነስርዓት ድማ ውሉደ ክህነት ዝርከብዎም ኣባላት ቤትምህርቲ ሰንበት ኣብ ኤርፖርት ተቐቢሎሞም፡ ኣብቲ ጉዕዞ ናይ መገሻኦም ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ድያቆን ግርማይ ዘርኣይ ከምኡ’ውን ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት …