ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገር ስብከት ጀርመን ታቦታት ባሪኾም የእትዮም

          ብብጹእ ኣቡነ ቄርሎስ ተመሪሑ ንኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ምእመናን ንምብራኽን ንምብጻሕን ዝመጸ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ከተማ ቪስባደን ዞባ ሄሰን ዝርከቡ ማሕበረ ምእመናን ንኣስታት 5 ዓመት ብመምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስን ሃገረ ስብከትን ንኡስ ሃገረ ስብከትን ተማእኪሎም ክጽበዩ ድሕሪ ምጽንሖም ቀዳም ፲/ጥቅምት/፳፩ ፩ ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ባሪኾምሎም። ምእመናን ከተማ ቪስባደን ነቲ ንነዊሕ …

ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ብሰላም ናብ ሃገረ ጀርመን ብምእታው ሓዋርያዊ ጉዕዞ ፈጺሞም

ንቅዱስ ሲነዶስ ወኪሎም ናብ ኤውሮጳ ዝመጹ ብጽኣን ኣቦታት፣ ሮብዕ 17-10-18 ሰዓት 14:25 ድሕሪ ቀትሪ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ፍራንክፉርት ጀርመን ብሰላም ኣትዮም። ካብቶም ንምቕባል ዝመጹ ናይ እንቛዕ ድሓን መጻእኩም ዕንባባ ድሕሪ ምቕባል፣ብካህናትን ዲያቆናትን ከምኡ‘ውን ምእመናንን ትማእኪሎም ናብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሩፋኤል ከተማ ቪስባደን ኣምሪሖም። ኣብ‘ቲ ዝተዳለወሎም ምዕረፊ ምስ ኣተዉ ድማ፣ ድሕሪ ናይ ሓባር ጸሎት ብጹእ ኣቡነ …

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ክብረ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ኣልክማር ሆላንድ ብድምቀት ከቢሩ

አብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላድስ(ሆላንድ)ከተማ ኣልከማር ክብረ በዓል ጻድቕ አቡነ አረጋዊ ብድምቀት ተባዒሉ። አብቲ ክብረ በዓል ዋና ጻሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹዕ አቡነ ሉቃስ ፥ ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርአይ፤ አቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ሊቀ ካህናት ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን፥ አቦ ወንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ኔዘርላንድ ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳምሶም ማኢል፥ካብ …

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሆላንድ ኣገልግሎቱ ይፍጽም

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ፡ ኣገልግሎቱ ይፍጽም። ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ዕለት 04-10-2018 ዓ.ም.ፈረ ናብ ሆላንድ ከም ዝኣተዉ ይዝከር። ድሕርዚ ናብ ኣብ ሮተርዳም እትርከብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ብምምራሕ ኣብ ዕለት 06-10-2018 ሃገረ ስብከትን ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከትን ኣብ ዝተረኽብሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ናይቲ ቤተክርስቲያን ዝርርብ ተገይሩ ፡ ድሕሪዚ ንጽባሒቱ፡ ሓድሽ ምርጫ …

ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንምፍጻም ናብ ሃገረ ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።

ትማሊ ዕለት 04/10/2018 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 8፥00 ናይ ምሸት ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ኣምስተርዳም ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ፡ብርክት ዘበሉ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናን፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ብድሙቕ ዝኾነ ኣቀባብላ ተቐቢሎሞም። እቶም ልኡኽ ፡ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጻሓፊ ቅዱስ ስሲኖዶስ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ፡ ኣባ መልከጼዴቅ ኣበምኔት ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ኣበምኔትን ኣባል …