ምእታው ታቦት ማርያም ጽዮን ኣብ ከተማ  ዞሊንገንን ናይ ኣቡነ ተከለሓይማኖት ኣብ ከተማ ሄፐን ሃይም ጀርመን ብሰላም ተፈጺሙ።

ብዕለት ፩፮ ሰነ ፳፲ ዓ.ም ግዕዝ(17 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ኣብ ከተማ ዞሊንገን እትርከብ ኣብ ትሕቲ   ን/ሃ/ስ ጀርመንን ሃገረ ስብከትን ኤውሮጳን ከም‘ውን ብመሪሕነት ቃለ ዓዋድን ቅዱስ ሲኖዶስን ተማእዚዛ ትኸይድ፣ናይ ማርያም ጽዮን ቤተክርስቲያን ሓድሽ ታቦት ኣትዩላ። እቲ ናይ ሓድሽ ታቦት ምእታው ስነ-ስርዓት ብመርሒነት ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን ቀሺ ዘርኦምን ድሕሪ ምፍጻሙ፣ብሊቃውንቲ ኣቦታት ነቲ ዓብይ በዓል ዝምልከት …

ኣብ ን/ሃ/ስ ነዘርላንድስ ምምሕዳራዊ ስልጠና ተኻይዱ፡

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!! ብምቅጻል ቀዳም 30 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ንሰበኻ ጉባኤ፥ውሉደ ክህነት፥ጠርነፍቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ኣብያተ ክርስትያናትን ዘሳተፈ “ኩሉ ብስርዓትን ኣገባብን ይኹን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ምምሕዳራዊ ስልጠና ተኻይዱ። ኣብቲ ዕለት ሰንሰለታዊ ምምሕዳራዊ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ከመይ እዩ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፡ሊቀ ካህናት …