ኣብ ከተማ ጊሴን ታቦት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ኣትዩ።

ኣብ ዞባ ሄሰን ከተማ ጊሴን ተጠርኒፎም፣ ብጸሎትን ትምህርትን እናተዋህቡ፣ ንነዊሕ እዋን ክጽበዩ ዝጸንሑ ማሕበረ ምእመናን ብዕለት ፩፭ን ፩፮ን ፡ሰነ ፥፳፲ ዓ.ም ግዕዝ ሓድሽ ታቦት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ኣእትዮም። እቲ ናይ ታቦት ምእታው ሥነ ሥርዓት ብ ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣቦ ሃብተወልድን ምክትል ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ን ኣቦ ወንበር ን/ሃ/ስ ጀርመንን …