ብምኽንያት መዓልቲ፡ሰማእታት ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

    ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ።ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ መዓልቲ ሰማእታት ዓመት መጸ ኣብ ዕለት ፲፫ ሰነ (20 ሰነ ዓ.ም.ፈረ.) ዝግበር እዩ ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንነቶም ምእንቲ ህዝቦም ክብሉ ሕይወቶም ዝሕለፉ ሰማእታት ፡እግዚአብሔር መንግስቱ ክውርሶም ወትሩ ብጸሎት እናዘከረቶም፡ትነብር።ብፍላይ ድማ በዛ ክብርቲ ዕለት ጸሎተ ፍትሓት ይበጽሕ። ብደረጃ ሃገረ ስብከትና ውን ካብዚ ብዘይፍለ  ተኸቢሩ ውዒሉ። …

ሃገረ ስብከት ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ኣካይዱ

  ሃገረ ስብከት ብዕለት ፱-፲ ሰነ ፳፻ ፲ ዓ.ም.ግዕ. (16-17 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈረ.) ናብ ኣብ ደቡብ ኣየርላንድ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ፈጺሙ። ኣብዚ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኮርክ ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞንን ፡ሊቀ ኣእላፍ ቀሺ ፍሰሃየ ቀሺ ገብረማርያም ብተወሳኺ ውን ነዞም ምእመናን ከም ካህን ንኸገልግልዎምን ክመርሕዎምን ዝተመደቡ  ቐሺ ተስፋልደት ምናሴ  ቀዳም …

ሳልሳይ  መንፈሳዊ ዋዕላ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኔዘርላንድ: እንሆ ሎሚውን ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ   ኣጽራረ ሃይማኖት* ዘተኮረ “ካብዚ ቄናን ወለዶ ደሓኑ”(ግብ:2:40) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል(ቴማ) ኣካይደን። ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ምስ እንምልከት:- 1, ዕላማ ኣጽራረ ሃይማኖት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ 2,ዝሕብኡሉ መሽጎራጉራት ኣበይን ብኸመይን 3,ዝነበረን ዘሎን ህልው ኩነታት ኣጽራረ ሃይማኖት …

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላድ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላድ፡ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ናይ 17 ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ማሕበረ ምእመናን፡ዝተረኽብዎ፡ ብዕለት ፫ ሰነ ፳፻ ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(10 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኒውሻትል ተኻይዱ። ኣብቲ ብመርሒነት ሃገረ ስብከት ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ጸብጻቦም፡ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ኣቕሪቦሞ። ብመጀመርታ ንምምሕዳራዊ ጸብጻብ ብዝምልከት ዋና ጸሓፊ ንኡስ …

ሳልሳይ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ክቃናዕ እዩ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድ ዝርከባ 12   ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ወርሒ  ሓባራዊ ጉባኤ ክገብራ ጸኒሐን። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ኣወዳድባኡ ብምምሕያሽ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዝቐርበሉ  ክልተ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ዋዕላታት ተኻይዶም። ቀዳማይ ጉባኤ “ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ካበይ ናበይ” ኣብ ዝብል ብዙሕ ንመእመናን ካብ ዘደናግሩ ዝነበሩ ሕቶታት መጽናዕቲ ብምግባር ብንጹር መልሲ …

ኣብ ከተማ ኒውሻትል ስዊዘርላንድ ታቦት ኣቡነ ገብረመንፈስቅዱስ ኣትዩ።

  ብዕለት ፪ ሰነ ፳፻ ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(09 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ኣብ ከተማ ኒውሻትል እትርከብ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያን ሓድሽ ታቦት ኣትዩላ። ብመርሒነት ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ግቡእ ናይ ስርዓተ ምእታው ታቦት ድሕሪ ምፍጻሙ:ሊቃውንት ነዚ ናይ መመረቕታ ዕለት ብዝምልከት ማህሌት ኣብጺሖም፡ድሕርዚ ድማ ቅዳሴ ድሕሪ ምክያዱ ማዕዳን ኣስተምህሮን ድሕሪ ምሃብ ፡ናይቲ ዕለት መደብ ተፈጺሙ። …

ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ነቶም ናብ ገዳም ደብረ ሲና ፡እናኸዱ ከለዉ ብምኽንያት ሓደጋ ናይ ኣውቶቡስ ፡ዝዓረፉ ወገናትና፡ ጸሎተ ፍትሓት ፈጺመን። ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ኒውሻትል፡ እትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያን፡ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ፡ ከምኡ ውን ካልኦት ኣባላት ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን ንኡስ ሃገረ ስብከትን ዝተረኽብዎ …

መልእኽቲ ጸሎተ ፍትሓት

ንዓመታዊ ክብረ በዓል ንምስታፍን፡ በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምርካብ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ዝጓዓዙ ዝነበሩ ናይ ኣውቶቡስ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞሙን፡ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ድማ ከም ዝዓረፉ ብእዋኑ ብወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ቤ/ጽ/መንበረ ፓትርያርክ ተሓቢሩን ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ውን ተመሓላሊፉን እዩ። በዚ ምኽንያት ንዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሎተ ፍትሓት ክግበር ፡ በዚ …

ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫን ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይን ምምራቕ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሼን ኖርዎይ

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ብዕለት 26 -05-2018 ሓፈሻዊ ጉባኤን ሓድሽ ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ቅድስት ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኦስሎ ተኻይዱ። ኣብቲ ብኣላይነት ሃገረ ስብከት ዝተመርሐ ኣኼባ ብመጀመርታ ብኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሓፈሻዊ ጸብጻብ፡ ቀሪቡ።ቀጺሉ ተሳተፍቲ ዘለዎም ሕቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም። ጉቡእ መልሲ ድሕሪ ምውሃቡ፡ ብቐጥታ ናብ ምርጫ ተኣትዩ፡ ተሳተፍቲ ንዝቕጽል 3 ዓመታት ዘማሓድርዎም …

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ፡ ከተማ ቮልዳ፥ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ብወግዒ ኣትዩ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ፡ ኣብ ከተማ ቮልዳ እትርከብ ማሕበረ ምእመናን ቅዱስ ሚካኤል ፡ ብዕለት ፲፫ ሚያዝያ ፳፻ ወ ፲ ( 21 ሚያዝያ 2018 )ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኢል ታቦት ብወግዒ ኣትዩ። ካብ ዋዜማ፡ከም ስርዓት ቤተክርስቲያን መሰረት ብኣርባዕቲኡ መኣዝናት ቡሩኬን ንዕኡ ዝምልከት ጸሎትን ስብሓታትን ድሕሪ ተፈጺሙ፡ ቀጺሉ ፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መደብ ኣቕሪቦም፡ ድሕሪዚ …