home ዜና ቤተክርስቲያን ኣብ ከተማ ጊሴን ታቦት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ኣትዩ።

ኣብ ከተማ ጊሴን ታቦት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ኣትዩ።

ኣብ ዞባ ሄሰን ከተማ ጊሴን ተጠርኒፎም፣ ብጸሎትን ትምህርትን  እናተዋህቡ፣ ንነዊሕ እዋን ክጽበዩ ዝጸንሑ ማሕበረ ምእመናን ብዕለት ፩፭ን ፩፮ን ፡ሰነ ፥፳፲ ዓ.ም ግዕዝ ሓድሽ ታቦት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ኣእትዮም።
እቲ ናይ ታቦት ምእታው ሥነ ሥርዓት ብ ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣቦ ሃብተወልድን ምክትል ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ን ኣቦ ወንበር ን/ሃ/ስ ጀርመንን ሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘርኦም ተፈጺሙ። ብ22/06/2018 ኣብ’ቲ ናይ ምእታው ሥነ ሥርዓት ዝተረክቡ ሊቃውንቲ ኣቦታትን፣ካህናትን ዲያቆናትን ድማ ብድሙቅ ዋዜማን መዝሙርን ድሕሪ ምፍጻም፣ ብሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘርኦም ድማ ትምህርቲ ብዛዕባ ክብርን ጥቕምን ታቦት ተዋሂቡ።

ድሕሪ ናይ ድራር እንግዶትን ዝተፈላለዩ ቀረባትን ድማ ካብ ስዓት 01.00 ዝጅመረ ማህሌትን ፣ ጸሎትን ቀጺሉ ድማ ስርዓተ ቅዳሴን ዕደትን ድሕሪ ምፍጻሙ። ብቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ሰፊሕ ትምህርቲ፡ተዋሂቡ። ቀጺሎም ኣባ ሃብተወልድ ምእመናን ኣብ ስደት እምነቶምን ስርዓት ኣቦታቶምን ከየዘንበሉ ክነብሩን ተላብዮምን ።

ብተወሳኺ እዞም ማሕበረ ምእመናን ኣቡነ ኣረጋዊ፣ ብንኡስ ሃገረ ስብከት ብሕጊ ቃለ ዓዋዲ ክልል ሰበኻ-ጉባኤ ዝቖመሎም፣ ንመምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣክቢሮምን ተማእዚዞምን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይፍጽሙ ምንባሮም ነዚ ብደርጃ ቅዱስ ሲኖዶስን ሃገረ ስብከትን ኤውሮጳን ብንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ንዝተረገብረሎም ብክልል ስበኻ ጉባኤ ናባሪ ዝኾነ ምስጋንኦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *