home ዜና ቤተክርስቲያን ኣብ ን/ሃ/ስ ነዘርላንድስ ምምሕዳራዊ ስልጠና ተኻይዱ፡

ኣብ ን/ሃ/ስ ነዘርላንድስ ምምሕዳራዊ ስልጠና ተኻይዱ፡

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!

ብምቅጻል ቀዳም 30 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ንሰበኻ ጉባኤ፥ውሉደ ክህነት፥ጠርነፍቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ኣብያተ ክርስትያናትን ዘሳተፈ “ኩሉ ብስርዓትን ኣገባብን ይኹን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ምምሕዳራዊ ስልጠና ተኻይዱ።

ኣብቲ ዕለት ሰንሰለታዊ ምምሕዳራዊ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ከመይ እዩ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፡ሊቀ ካህናት ቀሺ ዘርኢሠናይ ቀሺ ሰሎሞን ሓደ ድሕሪ ሓደ ማለት ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳብ ጠርነፍቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እንታይ ይመስል ብመልክዕ ቃለ ኣዋድን መምርሒ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ኣንቀጻት እናጠቀሱ ንልዕሊ 3 ሰዓታት ዝወሰደ ስልጠና ሂቦም።
ብፍላይ ኣብዚ ግዜ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ካብ ዘሸገር ዘሎ ጉዳይ ምዝገባ ቤተ ክርስትያን ብደቂቅ ጉድኣቱን ጥቅሙን ኣረዲኦም።

ካብቲ ዝተገልጸ ምስ እንጠቅስ፡

1.ባጀታዊ ኣሰራርሓ

2.ሕጋውነት ምዝገባ ቤተ ክርስትያን፡

3.ሓባራዊ ስራሕ ክልል ሰበኻ ጉባኤን ፡ትምህርቲ ሰንበትን… ካልእን።

ድሕርዚ ኣማሓዳሪ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳምሶም ማኢል  ኣካይዳ ውሉደ ክህነትን ከምኡ ውን ስርዓት ጉስነት ኣበ ነፍሲ፡ ዝብል ኣርእስቲ ብምሕዝ መግለጺ ሂቦም። ሓድነት ውሉደ ክህነት ሓድነት ቤተ ክርስትያን ምዃኑ  ብምብራህ ኣቦታት ካህናት ኣብ ጉስነት ደቆም ክኽተልዎ ዘለዎም ስርዓት መረዳእታ ሂቦም።

ብድሕሪ እዚ ልክዕ ሰዓት 14፥00 ስለዝኾነ ሰዓት ናይ ምሳሕ ውን ስለዝኣኸለ ናብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ናይ ምሳሕ ኩሉ ሕዝበ ክርስትያን ብሕብረት ከደ።
ንኣስታት ሓደ ሰዓት ምስ ጸንሐ ድማ ናብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ሳልሳይ ስልጠና ተመልሰ።
ተዳልዩ ዝነበረ ስልጠና መንፈሳዊ መሪሕነት ዝብል ኮይኑ፡ ብሓውና መጎስ ንርኣዮ ዝቀረበ እዩ።መንፈሳዊ መሪሕነት እንታይ እዩን ከመይ ክኸውን ኣለዎን ብስፍሕ ዝበለ ሓውና ድሕሪ ምውሃቡ ዝተመደበ ግዜ ክሳብ ሰዓት 17፥00 ስለዝነበረ ንሓጺር ግዜ ናይ ርእይቶን ሕቶን ቃለ ማዕዳን ብምሃብ ዝነበረ መደብ ተዛዚሙ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *