home ዜና ቤተክርስቲያን ኅዳር ጽዮን ኣብ ከተማ ዞሊንገን ተኸቢሩ ውዒሉ

ኅዳር ጽዮን ኣብ ከተማ ዞሊንገን ተኸቢሩ ውዒሉ

 

ማኅበር ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም — ጀርመን መበል6ይ ዓመታዊ በዓል ካብ ዕ ለት 3—4 ታሕሳስ 2016 ቀዳምን ሰንበትን ( ፳፬—፳፭ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም)viber-image ኣብ ከተማ ዞሊንገን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ” ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘዉር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ: ንቅሑ ።”ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኸብረ በዓል: ብብዝሒ መንእሰያት ዝተራእየሉን: ብኣቦታት ካህናትን ድያቆናትን ዝተመርሐ መእመናን ነቲ ተዳልዪ ዝነበረ ኣዳራሽ ኣፍ ንኣፍ መሊእዎ ይርአ ነይሩ። ቀዳም ፍርቂ መዓልቲ ኩሎም ነጋድያን ሕዳር ጽዮን ቦቦትኦም ምስ ሓዙ: መደብ ብኣቦታት ካህናት ብጸሎት ምስ ተኸፍተ ከም መኽፈቲ መዝሙር ‘ ነዚ ጉባ

ኤና ባርኮ ጎይታና ትብል መዝሙር ብሓባር ድሕሪ ምዝማር: ብቀጥታ ናብቲ ተሰሪዑ ዝነበረ ካብ ነዊሕ እዋን ማኅበር ቅድስት ድንግል ማርያም ክለማመድሉን ክደኽምሉን ዝወርሑ መደባት: ብግጥሚ ድሕሪ ምፍላሙ ሲዒቡ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ነቲ ናይቲ በዓል ቴማ ዘ

ብርህ ድሕሪ ምቅራብ: ናይ ድራር መደብ ድሕሪ ምክያድ ብመዘምራን ዝተዳለወ መዛሙር ምስ ተዘመረ: ናይቲ ዕለት ድራማ ሰባት ኣብ ዝገብርዎ መንፈሳዊ ውግእ ባህርያትን ውዲትን ዲያብሎስ ክፈልጡ: ፈሊጦም ድማ   ኣብ እግዚአብሔር ብምዉካል ብእምነቶምን ግብሮምን ክተግሁ ትዕድምን ተብርህን ኔራ። ናብቲ ልዕሊ 5 ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ምእመናን ዝተፈላለየ ሕቶታት ዝቀረበሉን ብናይቲ ዕለት ዕዱም ሓዉናን መምህርናን ዲያቆን ኣስመላሽ መልሲ ዝምልሰሉን መድረኽዩ ሰጊሩ: ነቲ ዝተሓተተ ሕቶታት ኩሉ ዘዕግብ መልሲ ምስ ተዋህበ: ሓፈሻዊ ማዕዳ ብኣቦታት ካህናት ምስ ተመሓላለፈ: ፍርቂ ተሳታፊ ናይቲ በዓል ናብ ቤተ ክርስቲያን እዩ ኣምሪሑ።እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ኣዳራሽ ብመዝሙርን ማዕዳን ቀጺሉ ኣምስዩ።

 

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ለይቲ ጀሚሩ ማኅሌትን ሰዓታትን ክበጽሕ ምስ ሓደረ ካብ ሰዓት 5:00—9:00 ወጋሕታ ድማ ናይ ቅዳሴን ትምህርትን ማዕዳን ብሊቃዉንቲ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምፍጻሙ : ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓደረ ምእመናን ናብ ኣዳራሽ ብምምራሕ ተቀሪቡ ዝነበረ ናይ ቁርስን ምሳሕን በረኸት ምስ ተኻፈለ: መዝሙር ብመዘምራን እንዳተዘመረ ንዓመታ መብጽዓ ዝመባጽዑን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመባጽዑ ድማ ዝኸፍልሉን ምስ ተኻየደ ናይቲ በዓል መዛዘሚ ብአቦታት ካህናት ጸሎት ምስ በጽሐ ኩሎም ነጋድያን ኅዳር ጽዮን ናብ ዝመጽሉ ቦታ ብሰላም ተመልሱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *