home Uncategorized ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መእተዊ

ኣብ ትምህርቲ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን “ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ናይ ክርስትና ሃይማኖት ማለት እዩ። ኣብቲ ሰዋስውኣዊ ትርጉሙ ምስ ንምልከት ከኣ፤ ብዘይቤ ይኹን ብምሥጢራዊ ኣገላልጻ ሠለስተ ትርጉም ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ትርጉም ንዝተወሰነ ቦታ የመልክት። እዚ ማለት ከኣ ናይ ኣመንቲ ክርስትና ቤት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ንኺድ ከም ዝብሃል እዩ። እቲ ካልኣይ ኣፈታትሓ ከኣ፣ ስም እግዚአብሔር ጸዊዖም ዝእከቡ ኣመንቲ ክርስትና “ቤተ ክርስቲያን” ይበሃሉ እዮም። እዚ ትርጉም እዚ ወገንነት፤ ዜግነት ወይ ኣባልነት ናይ ክርስትና የመልክት። ቤተ ያዕቆብ ወይ ቤተ እስራኤል ከም እንብል ማለት እዩ። ካብ ያዕቆብ ዝተወለደ ኵሉ ቤት ያዕቆብ ከም ዝበሃል፤ ብመንፈሳውን ምሥጢራውን ልደት ካብ ክርስቶስ ንዝውለዱ ኸኣ ቤተ ክርስቶስ ክበሃሉ ይከኣሉ እዮም። ናይ ክርስቶስ ወገናት ናይ መንግሥቱ ዜጋታት እዮም። እቲ ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ትርጉም ከኣ፤ “ቤተ ክርስቲያን” ናይ ኵሎም ክርስቲያን ሓድነት ማለት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ዘግብጽ፤ ቤተ ክርስቲያን ዘኤርትራ ዝብል ንባብ፤ ኣብ ግብጺ ዝነብሩ ክርስቲያን ወይ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ክርስቲያን ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ማለት እዩ። ነዚ ሣልሳይ ትርጉም ንምንጻር፤ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ናይ ግብጺ ኣምንቲ ክርስትና ኣብ ዝለኣኾ ሰላምታ “ትኤምኀክሙ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት እንተ ውስተ ባቢሎን” ይብል። ነዚ ኣብ ቋንቋና ቋንቋ ግእዝ “ቤተ ክርስቲያን” ንብሎ ጽርዓውያን “ካሌዎካሎ” ካብ ዝብል ግሢ ብዘንቀልዎ ኤክሊሲያ ይብልዋ፤ ትርጉሙ ኸኣ ዝተጸውዐት ዝተኃርየት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ሕጂ ዝመጸ ስያመ ኣይኮነን። ጽርዓውያን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፤ ኣብ ሀገር ዝኾነ ሽግር ምስ ዝወርድ፤ ንምፍትሑ ተመሪጾም ዝእከቡ ኤክሊሲያ ይበሃሉ ነበሩ። ኣብ ፪፻፹፬ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ንብሉይ ኪዳን ካብ ቋንቋ ዕብራይስጥ ናብ ጽርዕ ዝተርጐሙ ሰብዓ ሊቃውንት “ካሃል” ንዝብል ናይ ዕብራይጥ ቃል “ኤክሊሲያ” ብምባል ተርጒሞሞ ኣለዉ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ፺፮ ጊዜ ተጻሒፉ ዝርከብ ኮይኑ ትርጉም ከኣ ናይ ኅሩያነ እግዚአብሔር ናይ እስራኤል ጉባኤ ማለት እዩ። ብመሪሕነት ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ በረኻ ቃዴስ ፵ ዓመታት ዝተጓዕዙ እስራኤላውያን “ኤክሊሲያ” ይበሃሉ ነበሩ።

ናይ እግዚአብሔር በዓላት ንምኽባር ዝእከቡ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል ኵሎም ኤልሊሲያ ይበሃሉ ነበሩ። (ዘዳ.9፣10)። ኣብ ሓዲስ ኪዳን “ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ፻፲፬ ጊዜ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ ኸኣ፤ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ (፫ ጊዜ)፣ ኣብ ግብሪ ሐዋርያት(፳፫ ጊዜ)፣ ኣብ መልእክታት ጳውሎስ (፷፫ ጊዜ)፣ ኣብ ሣልሰይቲ መልእኽቲ ዮሐንስ (፫ ጊዜ)፣ ኣብ መልእክተ ያዕቆብ (፩ ጊዜ)፣ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ (፩ ጊዜ)፣ ኣብ ራእየ ዮሐንስ (፳ ጊዜ) ተጠቒሱ ንረኽቦ። ኤክሌሲያ ማለት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል ዘይተጻሕፈሎም መጻሕፍቲ ናይ ሓዲስ ኪዳን፤ ወንጌለ ማርቆስ፣ ወንጌለ ሉቃስ፣ ወንጌለ ዮሐንስ፣ ካልኣይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶ፣ ካልኣይቲ መልእክተ ጴጥሮስ፣ ቀዳማይን ካልኣይን መልእክተ ዮሐንስን መልእክቲ ይሁዳን እዮም። ትርጉሙን ምሥጢሩን ኣቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ ዝተጸውዑ ወይ ዝተኃርዩ ማለት እዩ። እዚ ማለት ከኣ ንሰማያዊ ክብሪ ዝተጸውዑ ወይ ዝተኃረዩ ምእመናን ማለት እዩ።

እዚ ‘ኤክሊሲያ’ ዝብል ናይ ጽርዕ ቃል እዚ ዋላ እኳ ምስቲ ‘ቤተ ክርስቲያን’ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል፣ ቃል ብቃል ክትርጐም ከሎ ይፈላለ፤ ምሥጢራዊ ትርጕሞም ግና ሓደ እዩ። ብዝኾነ ቋንቋ ብዝተፈላለዩ ቃላት ዋላ እንተ ተገልጸ፣ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል ርእሳ ክርስቶስ ንዝኾነ፣ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ሥጋዌኡ ወንጌል ይምህረሉ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ`ውን፣ ብምሳሌ ‘መንግሥተ ሰማያት’ መንግሥተ እግዚአብሔር’ እናበለ ዝገለጻን ብደሙ ዘጥረያን ኣካል እያ። (ማቴ.16፣17-18)

ንቤተ ክርስቲያን ናይ ሓዲስ ኪዳን ጸሓፍቲ ብዝተፈላለዩ ቃላት እንተ ገለጽዋ፣ ምሥጢሩ ሓደ እዩ። ንኣብነት ቤተ ክርስቲያን ዘእግዚአብሔር፣ ቤተ ክርስቲያን ዘክርስቶስ ዝብልን ካልእን ንባብ ምስ ንርኢ፤ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን ዚተወሓሓደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ፣ ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ሓዲስ ኪዳን ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ ምሳሌታት ትምሰል። ንኣብነት፣ መርበብ መግፈፊ ዓሣ (ማቴ.13፣47)፣ ሥርናይ ዝዝረኣላ ግራት (ማቴ.13፣24)፣ ፍሬ አድሪ (ማቴ.13፣31)፣ ክብርቲ ዕንቊ (ማቴ.13፣45-46)፣ ቤት መርዓ (ማቴ.22፣1-10 ዮሐ.3፣1)።

ኣብ ዘመን ዝተፈላለዩ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ ስያሜታት ተጠቒሳ ትርከብ። “ቤተ ክርስቲያን ዘእግዚአሔር፣ ቤተ ክርስቲያን ዘእግዚአብሔር አብ ወእግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ቤተ ክርስቲያን ዘክርስቶስ፣ ቤተ እግዚአብሔር፣ ማኅደረ እግዚእ፣ ዘእግዚእ፣ ቤተ እግዚእ” እናበሉ ምሥጢሮም ሓደ ብዝኾነ ብዝተፈላለዩ ቃላት ይጽሕፉ ነበሩ።

ምሥጢራዊ ትርጕሙ ክትርጕሙ ከለዉ ግና ኣቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ ሓደ ኮይኑ፣ እግዚአብሔር ግዕዛን ዝበሎም ፍጥረታት ዝራኸቡላ እያ ብምባል ከኣ ረቂቕን ምሥጢራውን ትርጕም ይህብዋ። ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ ብዕድመ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ሠለስተ ይኸፍልዋ፦

፩. ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዓለመ መላእክት ዝነበረት ሓድነት መላእኽቲ።

፪. ካብ አቤል ክሳዕ ሓድሽ ኪ ዳን ናይ ዝነበሩ ሓድነት ቅኑዓን ሰባት።

፫. ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣማናዊት ሓድነት ክርስቲያን።

ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌያት፣ ሊቃውንት ካልኦት ተወሰኽቲ ምሳሌያት ቤተ ክርስቲያን ምሂሮም እዮም። ንኣብነት ቤተ ክርስቲያን ብመርከብ ኖኅ ትምሰል እያ። ናይ ኖኅ መርከብ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኵሎም ፍጥረታት ካብ ጥፍአት ናይ ማየ ኣይኅ ከም ዘድኃነቶም፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብክርስቶስ ኣሚኖም ናብኣ ንዝቐርቡ ምእመናን ካብ ሞተ ነፍስ ካብ ኃጢአት ተድኅኖም እያ። መርከብ ናይ ኖኅ ዘድኃነቶም ብሥጋ፣ ቤተ ክርስቲያን ተድኅኖ ድኅነት ግና ብነፍስ ስለ ዝኾነ፣ ቤተ ክርስቲያን ካብ መርከብ ኖኅ ትበልጽ እያ። ከምኡ`ውን ኣብ መርከብ ኖኅ ዝኣተዉ ኣራዊት፣ ካብ ኣራዊትነቶም ኣይተለወጡን፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣቱ ግና፣ ቤተ ክርስቲያን ንዘማዊ ድንግል ንኃጥእ ጻድቕ ትገብር።

ቤተ ክርስቲያን ብሓመድ ትትሓነፅ፣ ብእምኒ ትትሓነፅ ብወርቂ ሓንቲ እያ። ምእመናን ምእመናትን ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም ሃይማኖቶም ዘጽንዑላን ዝምስክሩላን ቤት ስለ ዝኾነት ንሳ ሓንቲ እያ። ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት “ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን” ከም ዝበሎ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን፣ ክርስቶስ ብደሙ ኣንጺሑ ስለ ዝቐደሳ ከምኡ`ውን ቅድስና ባህርይኡ ናይ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ መሕደሪት ስለ ዝኾነት፣ ቅድስቲ እያ። ኤፌ.5፣26, ግ.ሐዋ.20፣28። ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስለ ዝኾነት ከኣ እያ ብኃጢኣት ብክሕደት ረኺሶም ንዝነበሩ እሞ ናብኣ ንዝተመልሱ ትቕድስ። ኤፌ.2፣5, ቆላስ1፣21

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርባዕተ መኣዝናት ዓለም ተዘርጊሓ ስለ ትርከብ፣ አጽናፋዊት እያ። ቤተ ክርስቲያን ብቦታ፣ ብዘርኢ፣ ብቋንቋ ይዅን ብዓሌት ኣይትፈላለን እያ። ንምልእቲ ዓለም ወንጌል ክሰብኩ ዝተመዘዙ ሐዋርያት ስለ ዝሓነፅዋን ንምጉሳያ`ውን ደሞም ስለ ዝኸፈሉላን ሐዋርያዊት ትበሃል እያ።

                                ይቕጽል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *