home ዜና ቤተክርስቲያን ብምኽንያት መዓልቲ፡ሰማእታት ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

ብምኽንያት መዓልቲ፡ሰማእታት ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

 

 

ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ።ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ መዓልቲ ሰማእታት ዓመት መጸ ኣብ ዕለት ፲፫ ሰነ (20 ሰነ ዓ.ም.ፈረ.) ዝግበር እዩ ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንነቶም ምእንቲ ህዝቦም ክብሉ ሕይወቶም ዝሕለፉ ሰማእታት ፡እግዚአብሔር መንግስቱ ክውርሶም ወትሩ ብጸሎት እናዘከረቶም፡ትነብር።ብፍላይ ድማ በዛ ክብርቲ ዕለት ጸሎተ ፍትሓት ይበጽሕ። ብደረጃ ሃገረ ስብከትና ውን ካብዚ ብዘይፍለ  ተኸቢሩ ውዒሉ። ብፍላይ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ትማሊ ቀዳም ዕለት 23 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈረ. ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት:ሊቃውንት፡ ካህናት፡ ዲያቆናትን ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ላይደን ተኻይዱ።ኣብዚ ዕለት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብረ በዓል ዝተኸብረሉ ኮይኑ ለይቲ ብማሕሌትን ስብሓታትን ድሕሪ ምብጻሑ፡ ቅዳሴ ተሰሪዑ፡ ካብኡ ብምቕጻል ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሃቡ ዑደት ብምግባር ብጸሎት ናይቲ ዕለት ኣገልግሎት ተፈጺሙ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *