home ዜና ቤተክርስቲያን ሳልሳይ  መንፈሳዊ ዋዕላ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ

ሳልሳይ  መንፈሳዊ ዋዕላ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኔዘርላንድ: እንሆ ሎሚውን ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ   ኣጽራረ ሃይማኖት* ዘተኮረ “ካብዚ ቄናን ወለዶ ደሓኑ”(ግብ:2:40) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል(ቴማ) ኣካይደን።

ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ምስ እንምልከት:-

1, ዕላማ ኣጽራረ ሃይማኖት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

2,ዝሕብኡሉ መሽጎራጉራት ኣበይን ብኸመይን

3,ዝነበረን ዘሎን ህልው ኩነታት ኣጽራረ ሃይማኖት

4,ካብ ኣጽራረ ሃይማኖት ብኸመይ ንሕሎ

ዝብሉ ዛዕባታትን ካልኦትን፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺ  ድሕሪ ምሃብ፥ናይ ዕለቱ መዝሙር ብናይ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት መዘምራን ቀሪቡ። ቀጺሉ ኣርእስቱ ዝሓለወ ስነ ጽሑፍ ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ብኣቦ መንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ቀሺ ሳምሶም ማኢል ምክረ ኣበውን ተግሳጽን ለበዋን ድሕሪ ምሃብ መደብ ብጸሎት ተዛዚሙ።
ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሔር ስሙ ዝተመስገነ ይኹን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *