home ዜና ቤተክርስቲያን ምእታው ታቦት ማርያም ጽዮን ኣብ ከተማ  ዞሊንገንን ናይ ኣቡነ ተከለሓይማኖት ኣብ ከተማ ሄፐን ሃይም ጀርመን ብሰላም ተፈጺሙ።

ምእታው ታቦት ማርያም ጽዮን ኣብ ከተማ  ዞሊንገንን ናይ ኣቡነ ተከለሓይማኖት ኣብ ከተማ ሄፐን ሃይም ጀርመን ብሰላም ተፈጺሙ።

ብዕለት ፩፮ ሰነ ፳፲ ዓ.ም ግዕዝ(17 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ኣብ ከተማ ዞሊንገን እትርከብ ኣብ ትሕቲ   ን/ሃ/ስ ጀርመንን ሃገረ ስብከትን ኤውሮጳን ከም‘ውን ብመሪሕነት ቃለ ዓዋድን ቅዱስ ሲኖዶስን ተማእዚዛ ትኸይድ፣ናይ ማርያም ጽዮን ቤተክርስቲያን ሓድሽ ታቦት ኣትዩላ። እቲ ናይ ሓድሽ ታቦት ምእታው ስነ-ስርዓት ብመርሒነት ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን ቀሺ ዘርኦምን ድሕሪ ምፍጻሙ፣ብሊቃውንቲ ኣቦታት ነቲ ዓብይ በዓል ዝምልከት ማህሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ክምኡ‘ውን ብመዘምራን ዝተፈላለየ መደባት ቀሪቡ።

ቆሞስ ኣባ ሃብተ ወልድ ድማ ነቶም ታቦት ንምርካብ ብዙሕ ክጽብዩ ዝጸንሑ ምእመናን ናይ ማርያም ጽዮን እንቋዕ ሓጎሰኩም ድሕሪ ምባል፣ ታቦት ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበና ዓብይን ቅዱስን ንዋይ ከም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ብኽብሪ ክሕዝዎን ብፍቕርን ሰላም ክግልገልሉ ኣባታዊ ምኽሮም ለጊሶም።

እዚ መስተርሆት እዚ ንተቐማጦ ከተማ ዞሊንገን ጥራይ ዘይኮነስ ንኹለ ኣብ‘ቲ ከባቢ ዝርከባ ታቦት ዘይብለን ማሕበረ ምእመናን ከም ዝኾነ፣ ነቲ ብዓል ንምኽባር ካብ ርሑቅ ቦታታት ዝመጹ ምእማናን ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ  ብዕለት ፩፯።ሰነ፣፳፲ ዓ።ም ግዕዝ  ታቦት ናይ ኣቡነ ተከለሃይማኖት ኣብ ከተማ ሄፐን ሃይም ጀርመን ብሰላም ኣትዩ።ታቦት ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ብመዝሙርን ወረባት ብሊቃውንትን ኣቦታትን ብመዝመራንን ምእመናን ተዓጂቡ ብዓብይን ድምቕን ኣቀባብላ ናብ ቦትኡ ኣትዩ። ግቡእ ሥነ ሥርዓት ምእታው ታቦት ብ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ ምፍጻሙ፥ ብሊቃውንቲ ነቲ ዕለት ዝተዳለወ ጥዕመ ዜማ ቀሪቡ።

እቶም ብን/ሃ/ስ ጀርመንን ብሃገረ ስብከት ኢውሮጳን ተማእኪሎም ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ተማእዚዞም፣ ብሕጊ-ቃለ ዓዋዲ ክልል ሰበኻ ጉባኤ ኣቋቂሞን ንኣስታት 5 ዓመታት ኣብ ምጽባይ ዝጸንሑ ማሕበረ ምእመናን ኣቡነ ተከለሃይማኖት ሓጎሶም ወሰን ከም ዘይብሉ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ካህን ቀሲስ ኣብርሃም ገሊጾም።

ብተወሳኺ ቆሞስ ኣብ ሃብተ ወልድ  ነቲ መዓልቲ ዝምልከት ትምህርትን ኣባታዊ ምዕዶን ሂቦም። ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ኣብ ትምህርቶም ሰብ ኣብ እምነቱ ክጽንዕን፣ ስርዓተ ኣምልኾኡ ብፍርሃትን ብፍቅርን ክፍጽምን ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዓዲ ስደት ብጸሎትን ብንስሐን ምጽማድ ክምዝድሊ ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰነ ስርዓት ምእታው ታቦት ብማህሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ከምኡ‘ውን ዑድትን ብሰላም ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ብሊቀ መዘምራን ዘለኣለም ታሪኽ ናይ ኣቡነ ተከለሃይማኖት ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ንምእመናን ትምህርቲ ሂቦም።።

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *