home Uncategorized ምሥጢረ ሥላሴ

ምሥጢረ ሥላሴ

በስመ አብ ወወል ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መቕድመ ኩሉ ንስብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱስ ዘውእቶሙ አብ፣ወልድ፣መንፈስ ቅዱስ።”

እግዚአብሔር ኢልና ንኣምኖ ንሕና ዝፈለጥናዮን ዝበጻሕናዮን ዘይኮነ እግዚአብሔር ብባዕሉ ዝፍለጥን ንርእሱ ባዕሉ ጥራሕ ዝፈልጣ እዩ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ዘለና ኣፍልጦ ብመጠን ዓቕምና እምበር ብመምዘኒ ዓቀኑ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኢልና እንኣምኖ ስፍሓቱ ሰማይን ምድርን ክበጽሕዎ ዘይክእሉ፣ርቀቱ ናይ መላእኽቲን ደቂ ሰባትን ኣእምሮ ክበጽሕዎ ዘይክእሉ፣ልዕልንኡ በረኽቲ እንባታት ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጠፈር ክበጽሖ ዘይክእል፣ጉልላት ዘይብሉ ናይ ነገራት ኩሉ ጉልላት ዝኾነ ልዑል፣ልዕልንኡ ብሰማያት፣ዕምቆቱ ብናይ ድሪ መሠረት፣ናይ ባሕሪ ዕምቀት፣ክንገልጾ ዘይንኽእል ናይ ኩሎም መሠረታት መሠረት እዩ። ኣብዚ ኣሎ ኢልና ክንውስኖ ዘይንኽእል ኣብ ኩሉ ዝርከብ፣በዚ ኣሎ ኣይበሃልን ኩሉ ነገር ግን ኣብ ውሽጢ እግዚአብሔር ኣሎ። ብዛዕባ እዚ መንክር ዝኾነ እግዚአብሔር ምፍላጥ፣ምስማዕ፣ምዝራብ፣ምጽሓፍ ካብ በረከታትና ዝበለጸ በረኸት እዩ።

(ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት)

ነገረ እግዚአብሔር ኣብ ንዛረበሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዝለዓለ ስም፣ዝረቐቐ ባህሪ፣ብዛዕባ ዘሎን ዝነበረን ምዝራብ እዩ። ከምቲ ልሳን ብዛዕብኡ፣ ሓሳባት ልቢ ክትጭንጉዕ ዘይትኽእል፣ ልቢውን ብዛዕብኡ ሓሳባት ምሕሳብ ኣይከኣላን እዩ። ምኽንያቱ ልቢ ነዚ መግለጺ ዘይርከቦ ልዑል፣ ምሳሌ ዘይገልጾ ረቂቕ ክትገልጸሉ እትኽእል ብቕዓት ስለ ዘይብላ ልሳን ብዛዕብኡ ንምዝራብ ዓቕሚ ከም ትስእን ይገብራ። እዚ ከመይ እዩ፧ እንተ ኢልና ንዕኡ ዝመስሎ ካብ ላዕሊ ካብ ሰማየ ሰማያት ካብ ምድሪ ካብ ማዕሙቓት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ቃል ኣምላኽ ውን “ዝመሳሰለኒ የልቦን” እዩ ዝብል። ኢሳ 46-9። ነብየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ከምዚ ይብል፥

እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም ኣይኮነን፡መንገድታትኩም ከኣ ካብ መንገዲታተይ ፍሉይ እዩ። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፣ መንገድታተይ ካብ መንገዲታትኩም፣ ሓሳባተይ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።” (ኢሳ 558-9)። ስለዚ ብዛዕባ እቲ መንገዱን ሓሳቡን ካብ ናይ ደቂ ሰባት ልዕል ዝበለ ኣምላኽ ምዝራብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሓደ ካብኡ ድማ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ ሠለስትነት ዝስበኽ ሠለስነት ዘለዎ ሓደ ኣምላኽ ምዝራብ ማለት እዩ። አበው ነዚ ትምህርቲ እዚ ክገልጹ ከለዉ “ምሥጢረ ሥላሴ ይጅመር እምበር ኣይውዳእን” ይብሉ። ዋላ እኳ ከምኡ ይኹን እምበር ብዛዕብኡ ኣፍልጦ ምእንቲ ክህልወና መኣዝን ኣምልኾና ዝጸንዐ፡ ተስፋና ዝደመቐ ምእንቲ ክኸውን ነቲ ኣባና ዘለዎ ፍቅሪ ርእስና ክኽእሎ ብዝኽእል መጠን ንርእሱ፣መንነቱ ገሊጹልና እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጥ ንሱ ዝገለጸልና ነገራት (ኣነ ከምዚ እየ ኢሉ ዝጸሓፈልና) ምውካስ የድልየና። ምኽንያቱ ነቲ ካብ ፍልጠትና ንላዕሊ ዝኾነ ኣምላኽ ካብ ርእስና ክንዛረቦ ንክለሉ ዓቕሚ ኮነ ፍልጠት የብልናን። ንሱ ግን ከምቲ ኣብ ማእከል ዓቢ ውቅያኖስ መኣዝና ዘጥፈአት መርከብ ኩለንትንኣ ተስፋኣ ከም ዝጽልምት፡ተስፋና ምእንቲ ከይጽልምት በቲ ክንፈልጦ ዝከኣለና ጥበብ፣ክንስከሞ እንክእል መጠን ክብሩን፣ስሙን ገሊጹልና እዩ።

ብዙኃት ሰባት ምሥጢር እምነት ክበጽሕዎን ክርድእዎን ስለ ዘይከኣሉ ኣዝዮም ብምግራም ክርስቲያናት ሓደ ኣምላኽ ዲዮም ወይ ኣብ ሠለስተ ኣማልኽቲ እዮም ዘምልኹ፧ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዘምልኹ እንተ ኮይኖም አብ ፡ወልድ፡መንፈስ ቅዱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ብምባል ይሓቱ። ገለ ገለ ድማ ሙሉእ ዝኾነ መረዳእታ ስለ ዘይብሎም ቅድስት ሥላሴ ብመለኮት ሓደ ብኣካል ሠለስተ እዮም፣ ዝብል ናይ ክርስትና ትምህርቲ ከም ናይ ፓሊትዝም (Polytheism ማለት ልዕሊ ሓደ ኣምላኽ ዘምልኹ ማለት እዩ) ብዙኃት ኣማልኽቲ ከም እነምልኽ ጌሮም ይኣምኑ። ተጻረርትና ድማ ነቲ ነቓዕ ዝመስሎም ሰባር ብምግባር ነቲ ብኣምላክነቱ ካልኣይ ዘይብሉ ሓደ ዝኾነ፣ ግን ከኣ ብሠለስትነት ዝነብር በይኑ ፈጣሪ ዝኾነ፣ ንሠለስትነቱ ራብዓይ ንሓድነቱ ካልኣይ ዘይብሉ ንጉሥ፡ ክርስቲያናት ኣብ ሠለስተ ኣምላኽ እዮም ዘምልኹ ብምባል ግጉይ ዝኾነ ትምህርቲ ዝምህሩ ብዙኃት እዮም። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እተምልኾ ኣምላኽ ከምቲ መናፍቃን ዝብልዎ ዘይኮነስ ብኣምላኽነቱ ሓደ ብኣካል ሠለስተ ዝኾነ እግዚአብሔር እያ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ደቃ ኣብ ነገር መለኮት ዘለዎም ርድኢት ቅድሚ ኩሉ እትሰርዖ ብምዃኑ፡ ኣበው ሊቃውንት ካብቶም ኣዕኑድ ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ እምነትና መሠረተ እምነት ዝኾኑ ሓሙሽተ ኣእማደ ምሥጢር እቲ ቀዳማይ ዝሰርዕዎ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ ዓሚቕ ትምህርቲ ዝሓዘ ትምህርቲ እዩ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ንፈልጠሉ ናይ ነገረ መለኮት መጸውዒ ስም ምሥጢረ ሥላሴ ተባሂሉ ዋላ እኳ እንተ ተጸውዐ ብዓይነ ልቦና ንዝርእዮ ብእዝነ ልቦና ንዝሰምዖ ሰብ ምሥጢረ ሥላሴ አሐዱ ኢሉ ክሳዕ ዝውድእ እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ሓደ ኣምላኽ ዝዛረብ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ ምዝራብ ማለት ብዛዕባ ሓደ ኣምላክ ምዝራብ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስውን “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻ ብኹሉ ነፍስኻ ብኹሉ ኃይልኻ ኣፍቅሮ። እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ።”ማር 1230 ። ስለዚ እቲ ብኹለንትናና ከነፍቅሮን ከነምልኾን ዝግባእ ኣምላኽ ሓደ እዩ።

ኣምላኽ ካልኣይ ዘይብሉ ሓደ እዩ። ከምቲ ብስልጣን ፡ብባሕሪ፡ ብመለኮት ፡ብኣገዛዝኣ ሓደ ዝኾነ፣ ብስም ብግብሪ ብኣካል ሠለስትነቱ ዘይጎድል፣ዘይውስኽ ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣስፊሖም ዘረድኡና ሓቂ እዩ። ኩሉ ንጥፈታትና በስመ አብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ አሐዱ ኣምላክ፣ ኢልና ንጅምሮን ንዛዝሞን። ቅድስት ሥላሴ ክንብል ከለና ስሞም አብ ፡ወልድ፡መንፈስ ቅዱስ እኳ እንተ በልናዮም ሠለስተ ኣማልኽቲ ግን ኣይንብልን፣ እንታይ ደኣ ሓደ ኣምላክ ኢና ንብል። ኣብ ወላዲ ፣ወልድ ተወላዲ፣መንፈስ ቅዱስ ሠራጺ ብምባል እኳ ግብሮም እንተ ገለጽና ግን ኩሉ ብዛዕባ ሓደ ኣምላኽ እዩ ዝዛረብ። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ውን ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑ ብምንጻግ ደሙ ኸኣ ምእንቲ ክትነጽሑ፡ በቲ ቀዳሲ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝሓረየኩም ፡ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።” ክብል ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነት ምሂሩና እዩ። 1ይ ጴጥ 12

ቅዱሳት መጻሕፍቲ አብ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ወልድ ኣምላኽ ምዃኑ፡መንፈስ ቅዱስ ውን ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጹ። አብ አምላክ እዩ፣ወልድ አምላክ እዩ፣መንፈስ ቅዱስ አምላክ እዩ፣ ብምባል ስለ ዝገለጹልና ነዚኦም ደሚርና ሠለስተ ኣማልኽቲ ኢልና ክንርድኦ ኣይግባእን። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ኣምላኽ ብሠለስትነት ዝግለጽ ዝምህር መጽሓፍ እዩ። ነብየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ “ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፣ኣነ ኣምላኽ እየ። ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለቦን፣ዝመሳሰለኒ ካኣ የልቦን።” ኢሳ 46 9። ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ ብጠቅላላ እንተ ተመልኪትና ኣምላኽ ሓደ ከም ዝኾነ ዝምህር ዘረድእ፣ ዝነግር፣ ዘዘንቱ እዩ። ዕላማ መጽሓፍ ቅዱስ ውን ብዛዕባ እቲ ሓደ ዝኾነ እግዚአብሔር ብመለኮቱ ሓደ ብኣካሉ ሠለስተ ከም ዝኾነ ዝምህር እዩ። ናይ መለኮቱ ሓድነት ንናይ ኣካላት ሠለስትነት ዘይብትኖ፣ ንናይ ኣካላት ሠለስትነት ብናይ መለኮት ሓድነት ዘይጭፍለቕ ብኣምላኽነቱ ክልተነት ብኣካሉ ኣርባዕተነት ዘይብሉ ከም ዝኾነን ብሓድነቱን ሠለስትነቱን ዝምለኽ ከም ዝኾነ ከረድእ ዝተዳለወ እዩ።

ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ “እቲ ስዉር ነገር ዘበለ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ። እቲ ግሉጽ ግና ኩሉ ቃላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ክንገብር፣ንዘለዓለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።”(ዘዳ 2929)። ስለዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይንፈልጦ ስዉር ከም ዘሎ ብምብራህ ክንፈልጦ ዝተዋህበና ክንነብረሉ ዝተነግረና ድማ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ንልዕልንኡ ብቋንቋ ደቂ ሰባት ክንገልጾ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት እቲ ዓለም ካብ ዚፍጠር ተሰዊሩ ዝነበረ እነግር፣ዝተባህለ ምእንቲ ክፍጸም ነቶም ሕዝቢ እዚ ኩሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረቦምን።”(ማቴ 13-34)። በዚ ምኽንያት ኢና እምበኣር ብቅድስት ሥላሴ ዝስበኽ ሓደ ኣምላኽ ንምርዳእ ብዙሕ ምሳሌታት ንጥቐም። ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ምሳሌታት ዋላ እኳ ናይ ቅድስት ሥላሴ ምሥጢር ሙሉእ ብሙሉእ ከረድኡ ዝኽእሉ እንተ ዘይኮኑ ብፍጥረቱ ዝፍለጥ ኣምላኽ ነቲ ምሳሌ ዘይርከቦ ባህሪኡ ኣብ ፍጥረታቱ ብመጠኑ ኣቐሚጡ እዩ። ምሳሌ ካብቲ ዝምሰለሉ ነገር ኣዝዩ ዝንእስ ደኣ እምበር ነቲ ዝምሰለሉ ነገር ብልክዕ ይገልጾ እዩ ማለት ኣይኮነን። ምሳሌ ምሳሌ ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ካብቲ ዝምሰለሉ ነገር ዝንእስ እንተ ኮይኑ እዩ። ኣብ ናይ ነገረ መለኮት ትምህርቲ ንቅድስት ሥላሴ ብምሳሌ ከም መረዳእታ ኮይኖም ንከገልግሉ ንጥቀመሎም ኣለዉ። ካብኣቶም ዝተወሰኑ ቀጺልና ክንርእዮም ኢና።

እሳት

እሳት ሠለስተ ኩነት ኣለዋ። ንሳቶም ድማ ነበልባል ብርሃን ሙቐት እዮም። እቲ ነበልባል ምስ ተወልዐ ምስኡ ሓቢሮም ብርሃንን ሙቐትን ይወጹ፣ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካብ አብ ክወጹ ኸለዉ ውን ብዘይ ምቅድዳም እዮም። ነበልባል ኣብ ዝተራእየሉ ቅጽበት ብርሃንን ሙቐትን ይረአ፣አብ ውን ወልድ ክወልድ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ከስርጽ ከሎ ቅድምና የብሉን። ናይ ሥላሴ ናይ ኣካላት ሕልውና ቀዳማዊን ዳሕራዊን ዘይብሉ እዩ። እሳት ሓደ ኮይኑ ሠለስተ ኩነት ኣለዎ፣መለኮት ውን ሓደ እዩ ግን ሠለስተ ኣካላት ኣለዎ።

ጸሓይ

ንጸሓይ እንተ ተመልኪትና ውን እታ እንሪኣ ጸሓይ ክቢ፡ካብ`ታ ክቢ ዝመጽእ ጩራ ፡በታ ጸሓይ ዝፍጠር ሙቖት ኣሎ እዚ ሠለስቲኡ ግን ነታ ጸሓይ ጸሓያት ኣይንብላን፣ሓንቲ ጸሓይ ካብ ምዃንውን ኣይክልክላን እዩ ። ኣብ ቅድስት ሥላሴ ድማ ከምኡ እዩ። ሥላሴ ምባልና ሓደ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣይክልክልን እዩ እኳ ድኣ ካልኣይ ዘይብሉ ሓደ ኣምላኽ እዩ።

ሰብ

ንሰብ እንተ ተመልኪትና ውን ካብ ባህራያት ነፍሲ እቶም ሠለስተ ለባዊት ነባቢት ሕያዊት ዝተባህሉ ማለት ልቢ፡ቃል፡እስትንፋስ እዮም። እዞም ሠለስተ ነገራት ዋላ እኳ ነናቶም ስራሕ እንተ ሃለዎም ነቲ ሰብ ግን ሰባት ከብልዎ ኣይእሉን እዮም። ምክንያቱ ኣብ ሓደ ሰብ ዘለዉ ሠለስተ ነገራት እምበር ሠለስተ ሰባት ኣይኮነን። እዚ ክንብል ከለና ቃል ናይ ቃል ስራሕ ጥራይ ከም ዝሰርሕ ልቢ ውን ከምኡ ናይ ልቢ ጥራይ ከም ዝሰርሕ እስትንፋስ ውን ከምኡ እዩ። ኣብ ሞንጎኦም ናይ ባህሪ ምልውዋጥ ዝበሃል የለን። ቅድስት ሥላሴ ድማ ብዘይ ምቅይያር ነናቶም ግብሪ ኣለዎም ዋላ ኣኳ እንተ በልና ሓደ ኣምላኽ እምበር ሠለስተ ኣምላኽ ኢልና ክንሰብኽ ኣየኽእለናን እዩ። ምኽንያቱ ሠለስተ ስም፡ግብሪን፡ኣካልን እምበር ሠለስተ ኣማልኽቲ ስለዘይኮኑ እዩ።

ቀዳሞት ሊቃውንቲ እንታይ ይብሉ፧

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት

ካብ ፍልጠትን ሃይማኖትን ዝተፈልዩ መናፍቃን ናይ ቅድስት ሥላሴ መለኮት ምክፍፋልን ብኣካል ምምቅቓልን ከምጽኡ ኣይድፈሩ። ሓደ ኣምላኽ ኢልና እምበር ሠለስተ ኣማልኽቲ ኢልና ኣይንሰግድን ኢና። ብስም ሠለስተ እዮም ዋላ እኳ እንተ በልና አብ፡ወልድ፡መንፈስ ቅዱስ ሓደ ባህሪ፣ሓደ ህላዌ ሓደ መለኮት እዮም። ብሓደ ባህሪ፣ብሓደ መለኮት ዝጸንዑ ሠለስተ ኣካላት ክኾኑ ከለዉ ካብ ሠለስቲኦም ሓደ ዝበልጽ ወይ ዝንእስ የልቦን። ክምርመር ብዘይክእል ምሥጢር ብሓደ ክብሪ ማዕረ ዝኾኑ እዮም።”

ቅዱስ ቄርሎስ

ሓደ መለኮት፡ ሓደ ህላዌ፡ ሓደ ኃይሊ፡ሓንቲ ልዕልና ሓንቲ ጎይትነት፡ሓንቲ ክብሪ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓደ ቀዳማዊ እዩ። ብሠለስተ ኣካላት ብሠለስተ ገጻት ፍጹማት እዮም፡ ግዙፋን ኣይኮኑን ዘይተፈጥሩ እዮም። ድካም ዘይሰማምዖም ዘይልወጡ እዮም። ንዘመኖም ጥንቲ ወይ ፍጻሜ የብሉን።”

ዲዮናስዮስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኣንጾኪያ

ንቅድስት ሥላሴ ከም ኣካሎም ሠለስተ መለኮት እዮም፣ ኢልና ንኣምን እንተ ኮይና፡እምነትና ሰይጣናዊት እያ። ብምባል ብኣካልን ገጽን ሠለስተ ፡ብመለኮትን ባህሪን ሓደ ብዝኾነ ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ ካብ ሞተ ኃጢኣት ምእንቲ ከድኅን ወዱ ናብ ዓለም ለኣኸ ንሱ ድማ ንኹሉ ሰብ ኣድኃነ።”

ነገረ ሥላሴ ዓሚቕ ምሥጢር ናይ ፍጡራን ህልውናን ተፈጥሮን ዘይገልጽዎ ረቂቕ እዩ። አብ ወላዲ እዩ ዋላ እኳ እንተ ተባህለ ኣቦነቱ ግን ንወዱ ዘይቅድሞ፣ወልድ ውን ተወላዲ እኳ እንተ ተባህለ ውሉድ ምዃኑ ግን ካብ ኣቡኡ ዘይንእስ፣ መንፈስ ቅዱስ ውን ሠራጺ ብምዃኑ ብልየት እርጋን ዘይብሉ ረቀቕ ምሥጢር እዩ።

ቅድስት ሥላሴ ብምእማን እግዚአብሔር ብመለኮቱ ሓደ ብኣካሉ ሠለስተ ኢልና ኣቐዲሞም ዝነበሩ ናይ እምነት ኣቦታት ጸኒዖም ኣጽኒዖም ብዝሓለፉላ ሃይማኖት “ጎይታ ብዝመሃሮ፣ነቢያት ብዘገልገልዎ፣ሐዋርያት ብዝሰበኽዎ፣ሰማዕታት ብዝተሰየፉሉ፣ሊቃውንቲ መንበር ዘርጊሖም ዘመኖም መስዋዕቲ ብምግባር ዝመሃርዎ ትምህርቲ ክሳዕ መወዳእታ ዘመንና ንክንጸንዕ ንሶም ብዝፈለጥዎ መጠን ንእግዚአብሔር ክንርድኦ ይግባእ።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *