home ዜና ቤተክርስቲያን ሓድሽ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣማኑኤል ቤተ ክርስትያን ክርስትያንሳንድ ኖርዎይ ተመሪቁ ።

ሓድሽ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣማኑኤል ቤተ ክርስትያን ክርስትያንሳንድ ኖርዎይ ተመሪቁ ።

ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ካብ ዝርከቡ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ሓንቲ ኣብ ዝኾነ ኖርወይ ከተማ ክርስትያን
ሳንድ ዝርከቡ መእመናን ኣብ ዝዓደግዎ መሬት ዝስርሕዎ ቤተ ክርስትያን ብዕለት 01ን02 ታሕሳስ 2018
ብወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ተመሪቁ።

ኣብቲ ናይ ምምራቕ ስነ ስርዓት ሓለፍቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ኖርዌጃዊያን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታ ዝመጹ ካህናት ኣቦታትን ዲያቆናትን፡ ምእመናንን
ዝተረክቡ ክከውን ከሎ ኣማሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣማኑኤልን ኣቦ መንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ
ዝኾኑ መልኣከ ሰላም ቀሺ እስጢፋኖስ ተወልደብርሃን እቲ ንዓመታት ብዘይ ምቹእ ኩነታት ክውሃብ ዝጸንሐ
ኣገልግሎት ኣብቂዑ ህዝቢ ናተይ ኢሉ ዝውንኖ ባዕሉ ዘማሓድሮ ቤተክርስትያን ሓኒጹ ኣብ መፈጸምታ
ብምብጽሑ ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ ብምባል ነቲ ዝተጀመረ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ
ብጉልበት ይኩን ብገንዘቦምን ንዝተሳተፉ ኩሎም ኣመስጊኖም ንሓለፍቲ ናይታ ከተማ ዝኾኑ ኖርዊጃዊያን ነቲ መሬት ብምሃብን ዘድልይ ምትሕግጋዝ ብምግባሮም ኣመስጊኖም
ድሕርዚ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝተፈላለየ መዝሙራት ኣቅሪቦም ።

ካብኡ ብምቕጻል ብወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ነቲ ቤተ ክርስትያን ናይ
ምቕባእ ሰርዓት ተፈጸመሉ ። ንጽባሒቱ ሰንበት ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ሰዓታትን ስብሐታትን
ብምግባር  ናይ  ቅዳሴ ሥርዓት ተፈጺሙ ።
ቆሞስ ኣባ ሃብተውልድ ኣብ መወዳእታ  ለበዋን ምዕዶን ሂቦም።
እዚ ምምራቕ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣማኑኤል ክርስትያን ሳንድ ንብዙሓት ኣብ ሃገረ ስደት ንዝርከባ  ኣብያተ ክርስቲያን ጽቡቕ ኣብነት እዩ ፡  ምኽንያቱ ብሥርዓት ቤተ ክርስትያን ካብ መሰረታ ጀሚራ ክሳብ ጉልላታ ሓዳሽ
ዝተሰርሓት ብምዃና እዩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *