home ዜና ቤተክርስቲያን ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሆላንድ ኣገልግሎቱ ይፍጽም

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሆላንድ ኣገልግሎቱ ይፍጽም

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ፡ ኣገልግሎቱ ይፍጽም።
ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ዕለት 04-10-2018 ዓ.ም.ፈረ ናብ ሆላንድ ከም ዝኣተዉ ይዝከር። ድሕርዚ ናብ ኣብ ሮተርዳም እትርከብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ብምምራሕ ኣብ ዕለት 06-10-2018 ሃገረ ስብከትን ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከትን ኣብ ዝተረኽብሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ናይቲ ቤተክርስቲያን ዝርርብ ተገይሩ ፡ ድሕሪዚ ንጽባሒቱ፡ ሓድሽ ምርጫ ሰበኻ ጉባኤ ተኻይዱ። እቶም ሕዝቢ ዝመረጾም ሰበኻ ጉባኤ ንሰለስተ ዓመታት ክገልግሉ እዮም። ብጹዓን ኣቦታት ድማ ነቶም ዝተመረጹ፡ ካብ ኩሉ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ወጺኦም ፡ንሕዝቦም ብትግሃትን ብሓቅን ከገልግልዎ፡ ሓደራ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ብሊቃውንት ተመሪሑ፡ “ጸልዩ ለነ፡ ኣበዊነ፡ ብጹዓን፥ ከመ ንርከብ ሣህለ እም ኀበ እግዚአብሔር” “ሰላመ፡ እምይእዜሰ ይኩን ሰላመ ” ዝብል ሃይለ ቃል ፡ ዘለዎ ናይ ምስጋና መዝሙር ብሕብረት በጺሑ። ሕዝቢ ድማ ነቲ ብኣቦታት ዝተግብረሎም ድሕሪ ምምስጋን፡ ናይቲ ዕለት ፍጻሜ ኮይኑ።

ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሮተርዳም ሆላንድ እትርከብ ኮይና፡ ብናይ ኣገልገልትን ምእመናን ትግሃትን ጻዕርን ፡ ክውነን ዝተኻእለ፡ ቤተክርስቲያን ኮይኑ፡ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ንምፍታሑ ብዙሕ እኳ እንተ ተጻዕረ ኣብ ፍረ ክበጽሕ ኣይተረእየን፡ እንተ ኾነ ፡ ሕጂ ግና  ሕዝቢ ሓድሕዱ ፡ ይቕረ ይቕረ ብምብህሃል፡ ንዕኡ ዝውክልዎ ፡ ሓደሽቲ ሰበኻ ጉባኤ ክመርጽ በቂዑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *