home ዜና ቤተክርስቲያን ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ብሰላም ናብ ሃገረ ጀርመን ብምእታው ሓዋርያዊ ጉዕዞ ፈጺሞም

ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ብሰላም ናብ ሃገረ ጀርመን ብምእታው ሓዋርያዊ ጉዕዞ ፈጺሞም

ንቅዱስ ሲነዶስ ወኪሎም ናብ ኤውሮጳ ዝመጹ ብጽኣን ኣቦታት፣ ሮብዕ 17-10-18 ሰዓት 14:25 ድሕሪ ቀትሪ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ፍራንክፉርት ጀርመን ብሰላም ኣትዮም። ካብቶም ንምቕባል ዝመጹ ናይ እንቛዕ ድሓን መጻእኩም ዕንባባ ድሕሪ ምቕባል፣ብካህናትን ዲያቆናትን ከምኡ‘ውን ምእመናንን ትማእኪሎም ናብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሩፋኤል ከተማ ቪስባደን ኣምሪሖም። ኣብ‘ቲ ዝተዳለወሎም ምዕረፊ ምስ ኣተዉ ድማ፣ ድሕሪ ናይ ሓባር ጸሎት ብጹእ ኣቡነ ቄርሎስ ነቶም ክቕበሉ ዝመጹ ናይ ምስጋና ቃል ከምኡ‘ውን ቃለ-ቡራኬን ማዕዳን ኣስሚዖም።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *