home ዜና ቤተክርስቲያን ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንምፍጻም ናብ ሃገረ ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።

ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንምፍጻም ናብ ሃገረ ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።

ትማሊ ዕለት 04/10/2018 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 8፥00 ናይ ምሸት ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ኣምስተርዳም ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ፡ብርክት ዘበሉ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናን፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ብድሙቕ ዝኾነ ኣቀባብላ ተቐቢሎሞም። እቶም ልኡኽ ፡ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጻሓፊ ቅዱስ ስሲኖዶስ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ፡ ኣባ መልከጼዴቅ ኣበምኔት ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ኣበምኔትን ኣባል ቅዱስ ሲኖድስ፡ ከምኡ ውን ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣብ ዝጸንሕሉ ፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከትታት እናበጽሑ፡ ቡራኬ ክህቡን ፡ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ክርእዩን እዮም።

ንኣቦታትና ብዕድመ ብጥዕና ይሓልወልና።

 

2 thoughts on “ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንምፍጻም ናብ ሃገረ ሆላንድ ብሰላም ኣትዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *