home ዜና ቤተክርስቲያን ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት በልጂዩም በጺሖም።።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት በልጂዩም በጺሖም።።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት በልጂዩም፡ ብምባጽሕ፡ንሕዝቢ ባሪኾም።
ኣብቲ ብሰንበት ብዕለት ፩ ሕዳር ፳፻፲፩ ዓ.ም.ግዕዝ (11-11-2018 ዓ.ም.ፈረ ) ፡ ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣንትቨርፐን፡ ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ካብ መላእ በልጂዩም ዝመጹ ካህናት፡ዲያቆናት፡ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን፡ ምእመናን፡ ምእመናትን፡ ተረኺቦም፡ናይዚ ዕለት በረኸት ተሳቲፎም።
ሊቃውንት ናይ ጽጌ ማህሌት ድሕሪ ምቛም፡ብኣቦታት ዝተመርሐ ቅዳሴ በጺሑ፡ድሕሪዚ፡ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ቃለ ምዕዳን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ህዝቢ ዝተሓተተ ሕቶታት ግቡእ ዝኾነ መልሲ ብብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ከምኡ ውን ምክትል ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ተዋሂቡ፡ ሕዝቢ ድማ ነቲ ዝተዋህቦ መብርህን መልስን ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ መወዳእታ ብመዝሙር ምስጋናን ጸሎትን ናይቲ ዕለት መርሃ ግብር ተፈጺሙ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *