home ዜና ቤተክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ኣካይዱ

ሃገረ ስብከት ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ኣካይዱ

 

ሃገረ ስብከት ብዕለት ፱-፲ ሰነ ፳፻ ፲ ዓ.ም.ግዕ. (16-17 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈረ.) ናብ ኣብ ደቡብ ኣየርላንድ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ፈጺሙ። ኣብዚ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኮርክ ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞንን ፡ሊቀ ኣእላፍ ቀሺ ፍሰሃየ ቀሺ ገብረማርያም ብተወሳኺ ውን ነዞም ምእመናን ከም ካህን ንኸገልግልዎምን ክመርሕዎምን ዝተመደቡ  ቐሺ ተስፋልደት ምናሴ  ቀዳም ዕለት 16 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈረ ድሕሪ ምእታዎም ንጽባሒቱ ሰንበት ፡ ከም ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ስብሓታት ብምብጻሕ ፡ቅዳሴ ተገይሩ። ካብኡ ቀጺሉ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ብቀሺ ዘርእሠናይ ድሕሪ ምውሃቡ፡ ከም መርሃ ግብር ናይቲ ዕለት መሰረት፡ ብኣላይነት ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት ሓድሽ ምርጫ ተኻይዱ። ሕዝቢ ድማ ዝመሓድርዎም 7 ዝኣባላታ ሰበኻ ጉባኤን ተቖጻጸርቲን መሪጹ። ኣቐድም ኣቢሎም ዝነበሩ ኣለይቲ ብጊዚያውነት ከገልግሉ ዝጸንሑ እዮም።

ኣብዚ ሃገር ዝርከቡ ምእመናን ብፋላይ ኣብ ከተማ ኮርክን፡ዱብሊንን ዝቕመጡ ኮይኖም ብቑጽሮም ውሑዳት እኳ እንተኾኑ ፡ ብብዙሕ ፈተነታት ከይተጸልዉ፡ ሃይማኖቶም ብምጽናዕ ሓድሕዶም ክመሃሩ ዝጸንሑ እዮም።ኣብዚ ጊዜ ድማ እግዚአብሔር ፍቓዱ ኮይኑ፡ካህን ረኺቦም ኣለዉ። ክሳዕ እዚ ጊዜ ድማ ብኣላይነት ሃገረ ስብከት  ወርሓዊ ቅዳሴ ብምስራዕ ይግልገሉ ኣለዉ።ኣብ ሃገረ ሆላንድ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ላይደን፡ ብፍላይ ኣቦ መንበር ናይዚ ቤተክርስቲያን ሊቀ ኣእላፍ ቀሺ ፍስሃየ ቀሺ ገብረ ማርያም፡ ሃገረ ስብከት ብዝሓተቶም  መሰረት፡ እወታዊ ግበረ መልሲ ብምሃብ  ወርሓዊ ታቦት እናወሰዱ ቅዳሴ ብምግባር ስሩዕ ኣገልግሎት እናፈጽሙሎም ይርከቡ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *