home Uncategorized ነገረ ሃይማኖት

ነገረ ሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሃይማኖት ምድራዊ ዘይኮነስ፣ ካብ ሰማይ ካብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበን ዝተሠርዐን እዩ። ሓደ እዋን ብዛዕባ ሥልጣኑ ክሓትዎ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ኣይሁድ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጽኡ። ንሱ ድማ፤ “ጥምቀት ዮሐንስሲ ካብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧” (ማር. ፲፩፥፴/1130) ኢሉ ንሕቶኦም ብሕቶ መለሰሎም። ንሳቶም ግና ካብ ሰማይ ምዃና እናፈለጡ፤ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩም፧’ ምእንቲ ከይብሃሉ፣ “ኣይንፈልጥን” በሉ። እምበኣር ካብ’ዚ ሕቶ እዚ፤ ካብ ሰማይ ካብ እግዚአብሔር ዝኸውን ነገር ከም ዘሎ፤ ኣብ ምድሪ’ውን ብሰባት ዝሥራዕ ነገር ከም ዘሎ ንርዳእ። ነቲ ካብ ሰማይ ዝኸውን ክእመነሉ ከም ዝግባእ ግና ንዅሉ ንጹር እዩ።

ነቲ ካብ ሰማይ ዝኾነ ነገር ካብ’ቲ ካብ ምድሪ ዝርከብ ነገር ፈሊና ክንፈልጦ ይግባእ። ኣብ’ዛ እንነብረላ ዓለም ካብ ሰማይ ዘይኮኑ፤ ብርግጽ ግና ምንጮምን መንቀሊኦምን ካብ ምድሪ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ እምነታትን ፍልስፍናታትን ኣለዉ። እቲ ርቱዕ ሃይማኖት ግና ካብ ሰማይ እምበር፡ ከም ምድራዊ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ካብ ምድሪ ዝተረኽበ ኣይኮነን። ሃይማኖት ምድራዊ ክሳዕ ዘይኮነ ከኣ ፍጡራን ዝኾኑ ደቂ ሰባት ኣኽቢሮምን ተቐቢሎምን፤ ክኣምንዎን ክነብሩሉን እምበር፡ ክነጽግዎ ዝግባእ ኣይኮነን። ካብ ሰማይ ዝኾነ ነገራት ኵሉ ይግለጽን፤ ይፍለጥን፤ እንተ ተነግረ’ውን ንሕና ክንፆሮ እንኽእል ማለት ከም ዘይኮነ ግና ነስተውዕል። ጐይታና፣ “ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧” (ዮሐ. ፫፥፲፪/312) ዝበለና፣ ሰማያዊ ነገር ካብ ምድራዊ ነገር ኣዝዩ ዝረቐቐ ምዃኑ ከረድኣና ኢሉ እዩ።

ነቲ ንሕና ደቂ ሰባት ክንፈልጦ ዝግብኣና ነገር ክንመሃር ኣብ እንጅምረሉ ጊዜ፣ ሠለስቱ ምእት፣ “መቅድመ ኵሉ ንትመሀር ሀይማኖተ፦ ቅድሚ ኵሉ ሃይማኖት ንመሃር” ከም ዝበሉ፣ ቅድሚ ኵሉ ሃይማኖት ክንመሃር ይግባእ። “ከም ክኢላ ሓናፂ ኮይነ መሠረት ሠረትኩ፤ እቲ መሠረት ድማ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ” ( ቆሮ. ፫፥፲/310)። “አሚንሰ መሠረት ይእቲ ወካልኣኒሃ ሕንፃ ወንድቅ እሙንቱ፦ እምነት መሠረት እያ፤ ካልኦት ድማ ሕንፃን መንደቕን እዮም” (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ) ተባሂሉ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ከም ዝተገልጸ፣ ሃይማኖት መሠረት እዩ፤ መንፈሳዊ ተግባር ከኣ ኣብ’ዚ መሠረት’ዚ ይሕነፅ። ሕንፃ ኣብ’ቲ መሠረት ስለ ዝንደቕ፤ ካብ ኵሉ መሠረት ይቕድም። መሠረት ነቲ ሕንፃ ከም ዝፆሮ፤ እምነት ከኣ ንምግባር ይኅዝ። ሕንፃ ብዘይመሠረት ከም ዘይቀውም፤ ምግባር’ውን ብዘይሃይማኖት ኣይነብርን። ቀጽሩ፣ መሠረቱ ዘይጸንዐ ቤት ካብ ወራር ቀትሪ፤ ካብ ሰባር ለይቲ ኣይድኅንን እዩ። ቅኑዕ ሃይማኖት ዘይብሉ ሰብ ድማ ምግባሩ ጥራይ ካብ ጸብኢ ኣጋንንቲ፤ ካብ ገሃነመ እሳት ኣየድኅኖን’ዩ። ስለዚ ቅድሚ ኵሉ ትምህርተ ሃይማኖት ምፍላጥ የድሊ።

ይቕጽል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *